"ንሕና ግዳያት እምበር ፈጸምቲ ገበን ኣይኮናን"

Veröffentlicht am 28. September 2023 um 18:23

ወሃብ ቃል ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ሽቱትጋርት 

ቃለ መጠይቕ ብሮላንድ ቤክ (Roland Beck)

22.09.2023

 

ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ህውትን ናዕብን ካብ ዝሓልፍ ዳርጋ ሰሙን ጌሩ። ንቐዳመ-ሰንበት ተሓሲቡ ዝነበረ በዓል’ውን ተሰሪዙ ኣሎ። የውሃንስ ርእሶም ካብ ርእሰ-ማሕበራት ኤርትራውያን ንዝተሰረዘ በዓልን ዘጋጠመ ህውከትን ዓመጽን ኣመልኪቱ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ርእይቶ ምስ ቴ-ኦንላይን (t-online) ቃለ መጠይቕ ጌሩ’ሎ።

ዝሓለፈ ቀዳም (16 መስከረም) ኣብ ሽቱትጋርት ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ እናተኻየደ እንከሎ፡ ብርቱዕ ህውከትን ናዕብን ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ነዚ ቐዳመ-ሰንበት ተመዲቡ ዝነበረ ፌስታ ብማሕበራት ኤርትራውያን ተሰሪዙ ኣሎ። ኵነታት ክረጋጋእን ክሃድእን ድሌቶም ከም ምዃኑ ኣርእዮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ጕዳዮም ብዘይ ፍትሓውን ሚዛናውን ኣገባብ ከም ዝተራእየን ዝተታሕዘን’ውን ኣይሓብኡን።     

ወሃብ ቃል ናይ ርእሰ-ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ሽቱትጋርት ዮሃንስ ርእሶም፡ እቶም ዝካየዱ ኣኼባታትን ውራያትን ብዛዕባ እንታይ ምዃኖምን ብዛዕባ ኣከራኻሪ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራን እንታይ ከም ዝሓስብን ንዝምልከቶም ኣካላት ድማ ስለ ምንታይ ከም ዝወቕሶምን ዝነቕፎምን ኣብዚ ቓለ መሕትት ሓሳባቱ ገሊጹልና ኣሎ።   

ድሕሪ’ቲ ዝተኸስተ ናዕብን ህውከትን፡ ተቐማጦ ኸተማ ሽቱትጋርት ኣብ ልዕሊ ማሕበራት ኤርትራውያን ዘለዎም ኣጠማምታ ብዙሕ ከም ዝተቐየረ፣ ቅድሚኡ ግን ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ፌስታ ምስኦም ሓቢሮም የብዕሉ ከም ዝነበሩ ዮሃንስ ይሕብር። ድሕሪ’ዚ ዅሉ ኽስተት፡ ብወገኑ ዘረጋገጾ መሪር ሓቂ እንተሎ፡ ኣወሃህድን ኣካትትን (Integration und Inklusion) ዝብል መርሓ ብመልሓስ ዝንገር መተዓሻሸዊ ዘረባ ጥራይ ከም ዝኾነ ይገልጽ።

ቴ-ኦንላይን፦ ኣቶ ርእሶም፡ ኣብዚ ቐዳመ-ሰንበት ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ኤርትራውያን ብምስራዙ፡ ፖለቲከኛታትን ፖሊስን ከምኡ’ውን ተቐማጦ ሓጐሶም ኣርእዮም ኣለዉ። ንስኹምከ ብወገንኩም ሕጕስ ዲኹም፧

ዮሃንስ ርእሶም፦ ተቐማጦ፡ ብሓፈሻ ድማ መላእ ህዝቢ ዘለዎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዅነታት ድማ ኽነዘሓሕል ብምድላይ፡ ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ በዓል ምስ ከተማ ሽቱትጋርት ብምስምማዕ ኢና  ሰሪዝናዮ። ስምዒትን ኵነታትን ኣዝዩ ረሳሲኑ’ዩ ዘሎ። እንተኾነ ግዳ፡ ንሕና ጽቡቕ ይስምዓና የለን። ኸምዛ ንሕና ገበን ዝፈጸምና’ዩ ዝመስል ዘሎ። ገበን ዝተፈጸሞ ግዳይ ኮር ተገልበጥ ከም ፈጻሚ ገበን ዝቝጸረሉ ኣብነት’ዩ ደሚቑ ዝርአ ዘሎ። ንሕና ኢና’ኳ ናይዚ ኣብ ማእከል ከተማ ሽቱትጋርት ዘጋጠመ ቃላት ዘይርከቦ ጐነጽን ዓመጽን ግዳያት ዝኾና።        

ኣብ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ጕጅለ 7 (G7) ኾነ ኣብ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ግጥማት ኵዕሶ-እግሪ ህውከትን ናዕብን’ውን የጋጥም’ዩ። ኣብ’ዚኣቶም ግን ካብ ሕጂ ንድሓር ከም’ዚ ዓይነት ኣኼባ ኾነ ጸወታ ምክያድ ክቋረጽ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ክቐርብ ዘይሕሰብ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ንሕና ንእሽተይ ማሕበር ስለ ዝኾና፡ ጐትጓቲ ጕጅለ (ሎቢ) ድማ ስለ ዘይብልና፡ ይቋረጽ ይበሃል ኣሎ።  

ኣብ ዝተመደበ ኣኼባ ኤርትራውያን ህውከትን ናዕብን ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ሓደ ካብቶም ብሓይልታት ፖሊስ ተኸርዲኖም ዝእለዩ ዝነበሩ ተጓነጽቲ ህውከተኛታት (ምንጪ፦ Jason Tschepljakow)

ከም’ዚ “ዓይነት ማሕበራዊ ፍጻመታት” ኣብ ከተምኦም ክካየድ ከም ዘይደልዩ ብዙሓት ተቐማጦ ኸተማ ሽቱትጋርት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጽሕፉ ኣለዉ። እቲ ብዕለት 16 መስከረም ዝተኻየደ ማሕበራዊ ፍጻመ ግን እንታይ ዓይነት’ዩ ኔሩ፧

ብዛዕብኡ ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርግሑ ዘሕዝን እዩ። ንሕና ኸም ርእሰ-ማሕበራት ኤርትራውያን፡ ኣባላትና ዝሳተፍሉ ሰሚናር ኢና በቲ ዕለት’ቲ መዲብና ዝነበርና። ናይ ነገር ስግንጢር፡ እቲ ናይ ሽዕኡ ቐንዲ ኣርእስትና’ውን ኣብ ጊሰንን ስቶክሆልምን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ቴል ኣቪቭን ብምኽንያት ዘጋጠመ ህውከትን ዓመጽን፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራትና ኸጋጥም ንዝኽእል ጐነጻትን ዓመጻትን ብኸመይ ክንሕዞን ክንብድሆን ከም ዘለና ዝብል ሕቶ እዩ ኔሩ። እቲ ንዘራረበሉ ዝነበርና ሓሳብ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሰሚናር ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ካብ ክልሰ-ሓሳብ ናብ ህውከትን ጐንጽን ዓመጽን ዝዓሰሎ ዘሰቅቕ ተግባር ኽቕየር ብዓይንና ኢና ዝረኣናዮ። እንተወሓደ ዓሰርተ ተኻፈልቲ መጕዳእቲ ኽወርዶም እንከሎ፡ ብዙሓት ድማ ንኣስጋኢ ሓደጋ ተሳጢሖም ኔሮም። ኣዝዩ ደስ ዘየብል እዩ። ንሕና ዘበገስናዮ ዘለዓዓልናዮ ነገር ግን ኣይኮነን።    

ንዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበትከ እንታይ ዓይነት በዓል ኢኹም መዲብኩም ኔርኩም፧

ባሕቲ መስከረም 1961 ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረሉ ዕለት እያ። ፈለማ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ ሓርነታዊ ተጋድሎ እዩ ኔሩ። ኵሎም ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ መስከረም ንኽብሪ’ዛ ዕለት’ዚኣ በዓላት የካይዱ’ዮም። በዓልና’ውን ንዝኽሪ’ዛ ዕለት ተባሂሉ’ዩ ተመዲቡ ዝነበረ።          

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃንኩም እዩ ሰብ ዝኸስሰኩም። በዚ ምኽንያት’ዚ’ውን ኣንጻር ከም’ዚ ዓይነት በዓላት ብቐጻሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየዱ እዮም። ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝኽሰስ ስርዓት ናይ ኤርትራ ትድግፍዎ ዲኹም፧  

ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉን መጻኢ ሃገሩን ባዕሉ ዝውስነላ ልዑላዊት ሃገር ዝድግፍን ዝጣበቕን ሰብ እየ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ሕቶታት ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ ኣቛም ክህሉ ኣይክኣልን’ዩ በሃላይ’የ። ኣነ’ውን ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ዘይሻራዊ ኣይኮንኩን። ናይ ባዕለይ ርእይቶ ዘሎኒ ሰብ እየ። ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝካየድ ብዙሕ ነገራት ጽቡቕ’የ ዝረኽቦ። ጽቡቕ ዘይረኽቦን ዝነቕፎን ነገራት’ውን ኣሎ።  

ኣብ ማሕበራትና ዝዋስኡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዘሎ ዅነታት ነናቶም ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም። ርእይቶኻ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል’ውን ኣብ ጀርመን ከም ሓደ ኣዝዩ ልዑል ጸጋ’ዩ ዝቝጸር። እዚ መሰል’ዚ’ዩ እምበኣር በቲ ኣብ ሽቱትጋርት እተኻየደ ህውከትን ጐንጽን ብሓቂ ዝተጋህሰ። ከዘራርብ ዝነበሮ ቐንዲ ነጥቢ እዚ ዶ ኣይኮነን። ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ብውልቀይ እንታይ እሓስብ ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ እቲ ሕቶ።  

ፖሊስ ኣብቲ በዓል ንዝሳተፉ ሰባት እኹል ሓለዋ ኽገብረሎም ከም ዘይክእል ስለ ዝሰግኣኹም ዲኹም ነቲ ዝመጽእ በዓል’ውን ሰሪዝኩሞ፧

ብወገን “ብርጌድ ንሓመዱ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ ከቢድ ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ናይ ምውራድ ስግኣት ከም ዘሎ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ቅድሚኡ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ንፖሊስ ጭቡጥ ብዝኾነ ኣገባብ ተሓቢሩ ኔሩ’ዩ። ነዚ ስግኣት’ዚ ኽገትእ ዝኽእል እኹል ሓይሊ ግን ብወገን ፖሊስ ኣይተዋፈረን። ብኣንጻሩ ንህይወትና ጥራይ ዘይኮነ፣ ንህይወት ናይ’ቶም ኣብቲ መጀርመርታ ጊዜ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ቍጽሮም 20 ጥራይ ዝነበሩ መኮንናት ፖሊስ’ውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ኵነታት’ዩ ኣጋጢሙ።          

ነቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ መኮንናት ፖሊስ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብልቢ ኸመስግኖም እደሊ። ነቶም ዝተጐድኡ ድማ ብቕልጡፍ ሒሽዎም ናብ ናይ ቀደሞም ክምለሱ ምንዮተይ እገልጸሎም። ጸጥታ ዘውሕስ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ንኸይሳተፍ ውሳነ ዘሕለፉ ኣካላት ግን እወቕሶምን እነቕፎምን’የ። ኣብ ብዙሕ ሸነኻት’ዩ ፍሽለት ከጋጥም ዝተራእየ።   

ኣብዚ ኸተማ ማሕበራት ኤርትራውያን ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ይረኣያ ኔረን፧ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመ ህውከትን ናዕብንከ ኣብ ሃዋሁውን ስምዒትን ለውጢ ዶ ኣሎ፧   

እዘን ማሕበራት’ዚኤን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ጀርመን ዝግበሩ ናይ ምውህሃድን ዘካተተ ናይ ምግባርን (Integration und Inklusion) ጻዕርታት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብራ’የን። ክሳዕ ሕጂ’ውን እወታዊ ዝኾነ ስእልን ስምን’ዩ ኔሩወን። ናይ ኤርትራውያን ማሕበራትና ኣብ ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ኣብ ዝተፈላለየ በዓላት ናይዛ ኸተማ፡ ንኣብነት ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ቅርዓት-ባህልታት (Forum der Kulturen) ክሳተፋ ካብ ዝጅምራ ነዊሕ ጊዜ ኾይኑ ኣሎ። ኵሉ ጊዜ ኣዝዩ ደስ ዘብል ፌስታ’ዩ ኔሩ። ተቐማጦ’ውን ኣብ ቦታና እናላገሱ፡ ምሳና ሓቢሮም ኣብ ፌስታና ይካፈሉን ባህላዊ ምግብታትና የስተማቕሩን’ዮም ኔሮም። ሕጂ ግን እዚ ዝነበረ ሃዋሁዉን ስምዒትን ብፍጹም ተቐይሩ’ዩ ዘሎ። ኣዕሩኽተይ ከይተረፉ ናባይ ደዊሎም፡ ከመይ ጌሩ ኸምዚ ከጋጥም ይኽእል ብምባል’ዮም ብምግራም ዝሓቱኒ ዘለዉ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ንሕና ከም ግዳያት ዘይኮንና፡ ከም ፈጸምቲ ገበን ኢና ንርአ ዘለና።  

ርእሰ-ማሕበራት ኤርትራውያን ካብ ዝምስረት ክንደይ ጌሩ ኣሎ፧

ኣብ ሰማንያታት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም ንጀርመን መጺኦም፣ ኣብዚ ሃገር ድማ እግሪ ተኺሎም ስድራ መስሪቶም ክነብሩ ጀሚሮም። እተን ቀዳሞት ማሕበራት ናይ ኤርትራውያን ክምስረታ ዝጀመራ’ውን ሽዑ’ዩ ኔሩ። ኣብ መላእ ሃገር ጀርመን ጽቡቕ ዝኾነ ርክብን ምትእስሳርን’ዩ ዘሎና። ኣነ’ውን ንጀርመን ኣብቲ ጊዜ’ቲ’የ መጺኤ። ነዚ ዓዲ’ዚ ድማ ልክዕ ከም ዓደይ’የ ዝሓስቦ።     

ኣብ ሽቱትጋርት ኣብ መጻኢ ጊዜ በዓላት መሊስኩም ክተካይዱ ዲኹም፧

ኣብ ሽቱትጋርት ሸሞንተ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣለዋ። ኵለን ኣይኮናን ግን ኣባና ኣብ ርእሰ-ማሕበራት ብኣባልነት ዝተጠርነፋ። ኣብ’ዘን ኵለን ማሕበራት’ዚኤን ንእስ ዝበሉ ሓያሎ ማሕበራዊ ፍጻመታት ወርሓዊ ይካየዱ’ዮም። ብኸምዚ መልክዕ’ውን ክቕጽሉ ’ዮም። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ዕብይ ዝበሉ ማሕበራዊ ፍጻመታት (በዓላት) ኣይካየዱን’ዮም ዝኾኑ። እቲ ምኽንያት ግን ምስዚ ዘጓነፈ ኣጋጣሚታት ፍጹም ዘተሓሕዝ የብሉን።   

ብዛዕባ’ቶም ዘጓነፉ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ ገምጋምካ፧

ኣሳትፍ፡ ኣወሃህድ፡ ኣካትት (Teilhabe, Integration, Inklusion) ዝብል ጭርሖ፡ ብግብሪ ዘይርአ ብመልሓስ ፖለቲከኛታት ጥራይ ንምትዕሽሻው ዝዝረብ ከም ዝኾነ፡ ሕጂ ንዓይ ብሩህ ኮይኑ’ሎ። ዘሕዝን ድማ’ዩ። ናብዛ ሃገር’ዚኣ ተሰዲዶም ዝመጹን ናይ ወጻኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዜጋታት’ዛ ሃገር’ዚኣን፡ ኣብ ልዕሊ ስሞምን ኵነታቶምን ምእንትኦም ኣብ ዝካየድ (ሎቢ) ጐስጓስን ዝህልዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ግን ከየሰከፈንን ከየጨነቐንን ኣይሓልፍን። እዞም ሰባት’ዚኦም’ዮም ድማ በዚ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህውከትን ጐንጽን ዘይሽሞም ዝረኽቡ ዘለዉ።            

ዕላማ ናይ’ቶም ዓመጸኛታት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከም “ተቓወምቲ ኤርትራውያን” ቦታን ጊዜን ክረኽቡን ብዛዕብኦም ክጋዋሕን’ዩ ኔሩ። ጐነጽን ዓመጽን እንተዘይጥቀሙ ኔሮም፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክሳዕ ክንድ’ዚ ስፍሓት ዘለዎ ቦታን ጊዜን ኣይምረኸቡን ኔሮም። ጐነጽ ፖለቲካዊ ሸቶ ንምብጻሕ ዘገልግል መሳርሒ ክኸውን ብፍጹም ክፍቀድ የብሉን። ብወገይ፡ ጐነጽን ዓመጽን ካብ መን ይነቅልን ይብገስን ከም ዘሎ ጽቡቕ ጌርኩም ብትዅረት ክትርኢዎን ክትፈልጥዎን ኣለኩም’የ ዝብል።

 

ምስ ዮሃንስ ርእሶም ብዕለት 21.9.2023 ብተለፎን ዝተገብረ ቓለ መጠይቕ 

ምንጪ ናይዚ እተተርጐመ ጽሑፍ ኣብዚ ዝስዕብ ይርከብ፦

https://www.t-online.de/region/stuttgart/id_100248000/krawalle-in-stuttgart-sprecher-der-eritrea-vereine-zu-neuen-festen.html

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Kbrom Weldemichaeal
Vor 2 Jahr

ንሕና ግዳያት እምበር ፈጸምቲ ገበን ኣይኮናን።

Eritreische Stimme
Vor 2 Jahr

የቐንየልና!
ካብ ድምጺ ኤርትራውያን

Mehari
Vor 2 Jahr

Ich finde es die Übersetzung sollte mann in die Lupe Nehmen
Wer hat das übersetzt ist der der interviewt worden ist ?oder wie lange lebt der Übersetzer hier woher ist der Übersetzer /in

Eritreische Stimme
Vor 2 Jahr

Lieber Mehari,

schreiben Sie uns bitte Ihre Verbesserungsvorschläge per E-Mail. Wir freuen uns echt darauf. Kritik und Anregungen sind bei uns sehr willkommen!

Ihre Eritreische Stimme