ርእይቶይ ብዛዕባ ምልሶት ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነዊሕን ኣሰልካይን ነዊሕ ናይ ትጽቢት ዓመታት፣ ናብ ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምምላሳ፡ ብእወታ ካብ ዝጥምትዎ ኣፍቀርቲ ስፖርት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓደ እየ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ካብ ዘረባ ሓሊፎም ብስራሕን ብግብርን ናብዛ መዓልቲ እዚኣ ዘብቅዑና፡ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስጋና ይብጽሓዮም። በዛ ታሪኻዊት ስርሖም እዚኣ ኩሉ ግዜ ክዝከሩ ክትነብሩ እዮም። ብፍሉይ ድማ፡ ፕረሲደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ መምህር ጳውሎስ ወልደሃይማኖት፣ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሞይኡን ኣብ ግዚኡን ቦታ እንተ ረኺቡ፣ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ብግብሪ ስለ ዘራኣኻና ከም ወትሩ ልዑል ኣድናቖተይ ክገልጸልካ እደሊ። ኤርትራ፡ ከማኻ ኣብ ዝወፈሮ ስራሕ፡ ብዝመልኮ ሞያ፡ ንዝወጠኖ ዕላማ ክሰርሕ ዝክእል ቅኑዕ ሰብ የብዝሓላ።