
Hamid Idris Awate gilt in Eritrea als der Held, der am 1. September 1961 den bewaffneten Kampf gegen die äthiopische Besatzungsarmee begann. Für seine Tapferkeit und seine historische Rolle wurde er in vielen eritreischen Liedern gefeiert. 2018 erschien auch zum ersten Mal in Asmara ein Buch über sein Leben, das von Haileslasie Weldu, einem früheren Kämpfer der Eritreischen Volksbefreiungsfront (EPLF) geschrieben ist.

Autor Haileslasie Weldu
Haileslasie Weldu begann 1983 mit seinen Recherchen über Hamid Idris Awate, als er noch als Korrespondent des EPLF- Radiosenders Dimtsi Hafash (Stimme der Massen) an der Basis der Volksbefreiungsfront und auch an den Fronten diente. Neben seinen üblichen Pflichten widmete er sich der Recherchearbeit und, wenn es seine Zeit erlaubte, pflegte immer, Interviews und ein Tagebuch für sein Projekt zu führen.

Kämpfer und Autor (1989)
Im unabhängigen Eritrea setzte er die Arbeit verstärkt fort und führte weitere Interviews mit Hamid Idris Awates Familie, Verwandten, Freunden, Kampfgefährten und Bekannten. Auf diese Weise konnte er noch viele Informationen gewinnen, die ihm Klarheit und tiefe Einblicke in das Leben des eritreischen Pioniers des Befreiungskriegs verschafften. Schließlich war er dann, wie er in einem Interview mit der Journalistin Billion Temesgen erklärte, mit seinem Buch über Hamid Idris Awate so weit und konnte es veröffentlichen.

Autor beim Interview
Das Buch schildert die Kindheit von Hamid Idris Awate, seine Zeit als Askari in der italienischen Kolonialarmee sowie als Angestellter unter der britischen Militärverwaltung in Eritrea. Außerdem wird noch sein Leben in der Zeit der Föderation mit Äthiopien und am Anfang des Befreiungskriegs dargestellt. Das Buch zeigt somit fünf Lebensabschnitte von Hamid Idris Awate.
Das Buch "Hamid Idris Awate 1915-1962"
Es ist auf Tigrinya geschrieben und wurde auch in die Sprache Tigrayt übersetzt. Im Handel ist es bereits erhältlich und kann bei HDRIMEDIA (hdrimedia.com) bestellt werden. Wir hoffen, dass dieses wichtige Buch, wie es ihm gebührt, so viele Leser und Leserinnen erreicht.
Der Artikel verwendet den Text von Samson Haile in Tigrinya als Grundlage, den man weiter unten lesen kann:
ተጋዳላይ ደራሲን ጋዜጠኛን ሃይለስላሴ ወልዱ - ኣዳላዊ መጽሓፍ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ ልኡኽ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ግንባራትን ደጀንን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኣብ 1983 ዓ.ም ብዛዕባ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ መጽናዕትታት ከካዪድ ጀሚሩ። ከም ተወሳኺ ምዱብ ስርሑ ይዓሞ ብምንባሩ ግዜ ኣኣብ ዝረኸበሉ ቃለ-መሕትት ምክያድን ዳየሪ ምምዝጋብን የዘውትር ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ነቲ መጽናዕቲ ደፊኡሉ ንስድራቤትን ቤተሰብን ዓዋተ፡ ኣዕሩኽቱን መቓልስቱን ካልኦት ምስኡ ቅርበት ዘለዎም ሰባትን ብምዝርራብ ንጹርን ዓሚቚን ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብ ነዛ መጽሓፍ ከምዘዳለዋ ድማ ምስ ጋዜጠኛ ቢልዮን ተመስገን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኣብሪሁ።
ብዛዕባ ግዜ ቈልዕነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ዓስከር ጥልያን ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ተቘጺሩ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዝነበሮ ሂወት ከምኡ'ውን ገድላዊ ሂወቱ - ብዛዕባ ሓሙሽተ ዓበይቲ መድርኻት'ቲ ኤርትራዊ ሓርበኛ እያ ትድህስስ እታ መጽሓፍ።
መጽሓፍ "ሓምድ እድሪስ ዓዋተ" ብትግርኛ ተጻሒፋ፡ ብቛንቋ ትግራይት ድማ ተተርጒማ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተዘርጊሓ ትርከብ። ኩሉ ኤርትራዊ ክውንና ድማ ንምነየሉ።
ምንጪ፦
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
(Hamid Idris Awate)
$25.99
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
1915-1962
ብሃይለስላሴ ወልዱ
ገጻት፡ 506
ISBN 978-99948-0-170-1
ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር፡ ኣስመራ፡ 2018
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ከባቢ 1915 ኣብ ሃባራ-ዳ ሞጐራየብ ተወሊዱ። ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝዓበየ ሓምድ ብ1935 ኣብ ዕስክርና ጣልያን ተኸቲቡ፡ ኣብ’ቲ ፋሺሽት ጣልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈለሞ ወራር ተሳቲፉ። ኣብ 1940-41 ንውሱን እዋናት ኣብ ከሰላ ከም ኣኽባሪ ጸጥታ ተመዲቡ ሰሪሑ። ምስ ምብቃዕ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ጣልያን ተሳዒሩ እንግሊዝ ኤርትራ ምስ ተቛጻጸረ ከኣ ዓዱ ኣትዩ።
ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ሽፍትነት ስለ ዝተጓሃሃረ፡ ንባዕሉ ሸፊቱ ኣንጻር ናይ ውሽጢ ይዅኑ ካብ ደገ ዶብ ሰጊሮም ጥሪት ዝዘምቱ ዝነበሩ ሸፋቱ ተላዒሉ ንህዝቡ ይከላኸል ነይሩ። ሓምድ 1951 ብኣዋጅ ምሕረት ንእንግሊዝ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ እዋን ፈደረሽን፡ ኣንጻር’ቶም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩ ሰበስልጣን መርገጺ ስለ ዝነበሮ፡ 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝኣወጀ ሓርበኛ’ዩ።
ብዛዕባ 'ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962' …
ኣፈ-ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ከም ቀዳማይ ምንጪ ኣገዳሲ’ኳ እንተ ዀነ፡ ደራሲ ካብ 1983 ክሳብ 2017 ምስ’ቶም ዳርጋ ኩሎም ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ፡ ንዝተፈላለየ መድረኻት ህይወትን መዳያት ተመኵሮን ሓምድ ዝምልከት፡ 65 ቃለ-መጠይቓት ኣካይዱ።
መብዛሕትኦም ሕጂ ብህይወት ዘየለዉ ብምዃኖም ድማ ንኣፈ-ታሪኽ ካብ ምጽናት ኣድሒንዎ ኣሎ።
ሃይለ ምስ ታሪኽ ህይወት ሓምድ ን35 ዓመታት ምጒዓዝ፡ ንሓምድ ክሳብ ከም ቀረባ ዝፈልጦ ሰብ ከም ዘኽብሮን ከም ዘድንቖን’ኳ እንተ ገበሮ፡ ከም ተመራማሪ ግን ናጽነቱን ሚዛኑን ኣየስሓቶን። ከም ኤርትራዊ ተጋዳላይ ከኣ ንታሪኽ ብፖለቲካዊ እምነቱ ክኽልሶ ኣይፈተነን። ስለዚ፡ ሃይለ ንሓምድ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት ህይወቱ፡ ካብ ገጠራዊ ንእስነቱ፡ ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መቓን ናይ ነፍሲ-ወከፍ እዋን ኣእትዩ፡ ብዘይ ቅድመ-ፍርዲ፡ ጠውቂ ብዘይብሉ ክፉት ኣረኣእያ፡ ሻራ ከይሓዘ፡ ብልቦናን ሚዛናውነትን፡ ንመላእ ታሪኽ ህይወቱ ምስ ሓፈሻዊ ናይ እዋኑ ታሪኽ ኤርትራ ብምዝማድ ብወድዓዊ ስነ- ፍልጠታዊ ኣገባብ ኣጽኒዕዎን ጽሒፉዎን ኣሎ።
ከም ልቢ-ወለድ ብዝንበብ ዋሕዚን ምንጥልጣልን፡ ንሓምድ ከም ጽውጽዋያዊ ገጸ ባህሪ ‘ወዲ ዓዋተ’ ዘይኰነስ፡ ከም ምሉእ ሰብ፡ ተዋጋኢ፡ መራሒ፡ ምስ ኩሉ መንፋዓቱን መንቅባቱን፡ ቅንዕንኡን ኣበራቱን፡ ተጋራጫውነትን ስግንጢራትን ህይወቱ ከቕርቦ ዝበቕዐ ከኣ ይመስለና።
©hdrimedia
ምንጪ፦
Kommentar hinzufügen
Kommentare