መጽሓፍ "ቢሮክራሲ ምስ ቃልሲ ከተማ"
ቢሮክራሲ፡ ምስ ቃልሲ ከተማ
ውሑዳት ኣብ ዝኸድዎ ጎደና ትብዓት
ቢሮክራሲ፡ ከም ወካሊ ሓይልን ብቕዓትን "ምስጢራዊ ስርሒታት ከተማ "ህዝባዊ ግንባር ክግለጽ ዝጀመረ ኣብ መጽሓፍ ብዓሉ ግርማ (ኦሮማይ) ምስ ሰፈረ እዩ። ቅድሚኡን ድሕሪኡን፡ ንጸላኢ ዘርዓደን ዘናወጸን ኣደናቒ ምስጢራዊ ስርሒታት ከተማ ተፈጺሙ’ዩ። ኣብ ኣፋዊ ዕላላት ሕብረተሰብና፡ ካብ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዙ ዝጥቀስ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ መስደምም ቅያታት ብዙሕ’ዩ። ብግቡእ ስለ ዘይተዘንተወ ግን ናብ ጽውጽዋይ እናመሰለ ይኸይድ ኣሎ። ምምጻእ "ቢሮክራሲ" ከፋቲ በሪ ክኾነልና እምነ። ... (ኤፍረም ሃብተጽዮን፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ)