ኣበርክቶ መላእ ዕምሪ

Veröffentlicht am 19. März 2025 um 15:59

መላእ ዕድመኦም ኣብ ናይ ሓፋሽ ኣበርክቶ ዘውዕሉ፡ ዝሓስቡዎን ዝገብሩዎን ዘበለ ንሰብ እንታይ ክጠቕሞ ይኽእል ዝማእከሉ፡ ሰባት ኣለዉ። ዝኾነ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ታሪኹ ውጽእ ዝበለ ኣበርክቶ ዘለዎም ውሑዳት ጥራይ እዩ ከፍሪ ዝኽእል። እቲ ንሳቶም ዘፍርዩዎ ግን ንወለዶታት ይቕጽል። ከለዉን ምስ ሓለፉን ድማ ብዕዮታቶም ወትሩ ህያው ይኾኑ። እዚ ናይ ኩሉ ትዕድልቲ ኣይኮነን። ሰብ ደቂሱ እንከሎ፡ ንስለ ሰብ ዘይድቅስ ሰብ ኣሎ። ኣብቲ ናተይ ዝብሎ ሞያ ምሉእ ኣድህቦ ብምሃብ፡ ግዜኡ ንእኡ ጥራይ ዘወፊ ሰብ ኣሎ።

ንሓደ ነገር ብምልኣት ከተድምዓሉ እንተ ደኣ ኴንካ፡ ኣዕሚቚካ ክትሕዞ፡ ምሉእ ግዜን ኣድህቦን ክትህቦ ትግደድ። ሞያ ስነ-ጥበብ እምበኣር ውጽኢት ግዜን ጻዕርን ብልሓትን እዩ።

1999 ዘሕተማ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ 

ኣብ 1999፡ መቐጸልታ ዝሓለፈ ዕዮታት ስነ-ጽሑፉ፡ ዓባይ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ኣሕቲሙ። እዚ ትግርኛ-ብትግርኛ መጽሓፍ’ዚ ኣብ ዓይነቱ ናይ ፈለማ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ዝተፈተኑ’ኳ እንተ’ለዉ፡ ከፋቲ በርን ፍሉይ ክብሪ ዝረኸበን ዕዮ እዩ። እቲ ናይ ምልላይ መደብ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን’ዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተረኺቡ ንኣዳላዊኡ ከተባብዖ እዝክር። ንዓይ’ውን ናይ ፈለማ ዝተሳተፍኩዎ መጽሓፍ ናይ ምልላይ መደብ ኮይኑስ ዘበት ኣይርስዖን። ተርጓምን መዝገበ-ቃለተኛን ተክአ ተስፋይ፡ ኣብ ዕዮ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ደሚቕ ኣሰር ዝገደፈ ሞያዊ እዩ። ኣብ ዕዮ ትርጉም፡ ምድላው መዝገበ ቃላትን ምጽሓፍ ዛንታ ህይወቱን ዘተኮረ፡ ዛጊት 16 መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ’ሎ። እተን ክልተ ድሮ ተሓቲመን 21 መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ምስ ኣንባቢ ክላለያ እየን። ዕዮታት ተክአ፡ ክንዮ ብፍቕዲ ብዓይነቱ እዩ ዝምዘን። ኣብ ዕዮታት ትርጉም ሃገርና ዓይነታዊ ስራሕ ዓሚሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሰርሖ ዳግማይ እናኣመሓየሾ ብምኻድ ኣብ ጽባቐን ዕምቆትን ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። “ነቲ ኣንባቢስ ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ክትገድፈሉ የብልካን፡” ካብ ዝብል ሓሳብ፡ ነቲ ዓቕሊ ዝሓትት ኣቐዲምካ ዘሕተምካዮ ዕዮ ናይ ምምሕያሽ ዕማም ብዝያዳ ዓቕሊ’ዩ ዝሰርሖ።

መምህር ስነ-ጽሑፍ ራሄል ኣስገዶም

መምህር ስነ-ጽሑፍ ራሄል ኣስገዶም፡ ብወለንታኣ ንተመሃሮ መባእታ ዛንታታት ተንብበሎም እያ። ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን፡ እታ ተክአ ተስፋይ ዝተርጎማ ናይ ካርሎ ኮሎዲ “ፒኖክዮ” ከተንብበሎም ቀንያ። ተክአ ነዛ ስራሕ ዳግማይ ኣመሓይሹ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣሕቲሙዋ እዩ። ነታ ኣቐዲማ ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበት ዕዮ ከመሓይሻ ምድላዪ፡ ምስቲ ዕዮ ዘለዎ ጥቡቕ ፍቕሪ ከም ዝኾነ’ያ መምህር ራሄል እትገልጽ። “ሓንሳእ ተርጒመ’የ’ሞ ስራሕ ተወዲኡ’ዩ ከይበለ፡ ነቲ ተተርጒሙ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ዝበጽሐ ስራሕ’ውን ገና ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሹ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ምምርማርን መጽናዕቲ ኣብ ምክያድን ከም ዘሎ ተገንዚብና። ካብዚ ዝዓቢ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧” ብምባል ድማ ኣብ ልዕሊ ተክአን ዕዮታቱን ዘለዋ ኣድናቖት ትገልጽ።

ተክአ፡ እታ ፈለማ ዝተርጎማ ዕዮ “ሕርሻ እንስሳ” እያ። ኣብ ግዜኣ ሰፊሕ ተቐባልነት ድማ ረኺባ። ብምቕጻል (ብዘይቅደም ተኸተል)፡ “እቲ ብሩኽ መሬት”፡ “ብዘይስድራ”፡ “እቲ ኮንተ ናይ ሞንተ ክሪስቶ”፡ “ኤዞፕ”፡ “እተምርጸ ጽውጽዋያት”፣ ኣብ ምድላው መዝገበ ቃላት ድማ፡ “ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት - እንግሊዝኛ - ትግርኛ”፡ “ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ”፡ ወዘተ ብምሕታም፡ ኣብ ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ዓቢ ኣበርክቶ ገበረ። እተን ጽባሕ ዓርቢ ዝምረቓ ክልተ መጻሕፍቱ ድማ፡ “ካብ ጐርፊ ተዘክሮ - ዓቐበት ቍልዕነትን ኵትትናን” (ቀዳማይ ቅጺ ኣብ ዛንታ ህይወቱ) ከምኡ’ውን “ሃና ፍራንክ - ዲያርዮ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል” ዝሰመየን እየን።

21 መጋቢት  2025 ዘመርቐን ሓደሽቲ መጽሓፍቲ

ተክአ ተስፋይ፡ 11 ጥሪ 1944 እዩ ተወሊዱ። ኣብዚ ከቢድ ናይ ጽሕፈት ዕማም ጌና ብዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን ድማ 80 ዓመት ረጊጹ’ሎ። ወዲ ሰማንያ ዓመት ጌና ምስ ዓበይቲ ሕልምታቱን ክሳዕ ብህይወትን ጥዕናን ዘሎ ድማ ኣብ ግብራዊ ስራሕን ዘሎ፡ ንሞያኡ ክሳዕ ዝለዓለ ጥርዚ ዝተወፈየሉ ምዃኑ ዘብርህ’ዩ።

ዕዮታት ተክአ ጽሙቕ ኣቢልካ እንክግለጽ፡ “ኣስታት 12 ዓመት ዝወሰደ ናይ እንግሊዝኛ-ትግርኛ መዝገበ ቃላት፡ 12 ዝበጽሕ ናይ ቈልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይትን መጻሕፍቲ፡ ኣብ ምድላው እታ ቀዳመይቲ መጽሔት ቈልዑ ‘ቈላሕታ’ ከም እተሳተፈ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንስነ-ቆዝሞስ ዝምልከት ‘ሽያኽ ፍልጠት’ ዘርእስቱ ስነ-ፍልጠታዊ ጽሑፋት ብተኸታታሊ ኣበርኪቱ። ሕጂ ድማ በዘን ክልተ ዓበይቲ ዕዮታቱ መጺኡና’ሎ፡” ይብል ቃል ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብታ ኣብ 2018 ዝተሓትመት ምስ ዕዮታት ተክአ ተስፋይ እተላሊ መንሹራ።

ብዛዕባ ዓቢ ዕዮ ዝሰርሐ ሰብ ክትጽሕፍ እንከለኻ፡ እንታይ ኢልካ እንታይ ከም እትገድፍ’ዩ ዝሕርብተካ። ንሰብ ግብራዊ ውዕሎ ብቓላት ምግላጽ’ውን ቀሊል ኣይኮነን ወይ ከኣሊኡ’ዩ ዝኽእሎ። “ምቝሉልነት መለለዪ ዓበይቲ ሰባት’ዩ፡” ይበሃል እዩ። ብርግጽ፡ ኣብ ዓበይቲ ሰባት’ዩ ድማ ጎሊሑ ዝርከብ። ዓበይቲ ሰባት፡ ዝሰርሑ ሰሪሖም ኣንነት ኣይንታዮምን። ጌና ብዙሕ ከም ዝተርፎም ኣሚኖም፡ ኣብ ቀጻሊ ብሉጽ ዕዮ ናይ ምፍራይ ዕማም ይጽመዱ። ረሳዕቲ ነፍሶም እዮም።

ተክአ ንኣበርክቶኡ ብኸመይ ይገልጾ ይኸውን ኢለ ሓደ እዋን ሓቲተዮ ነይረ። “ኣነ ሓደ ኣማተር [ጀማሪ] ተርጓሚ እየ። ንነፍሰይ ሞያዊ ወይ ክኢላ ተርጓሚ ክብላ ኣይክእልን። ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ሃገርና ከምኡ ዝበለ ሞያዊ ተርጓሚ ጌና የለን - ብሕጂ ግን ይመጽእ ይኸውን ...” ብምባል ይገልጾ።

2012 ዘሕተማ መዝገበ-ቓላት እንግሊዝኛ-ትግርኛ 

ገጣሚት ዶክተር ሰላም ኪዳነ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ክልተ መጻሕፍቲ ግጥሚ ኣሕቲማ። ናይ ቋንቋ ትግርኛ ንባባ ንምዕባይ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ንዕዮታት ተክአ ተስፋይ ብብዝሒ ትውከሶ። ንሳ ብዛዕባ’ቲ ዕዮታት ክትገልጽ እንከላ ከምዚ ትብል፤ “ናይ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ዕዮ ትርጉም፡ ወሃ ዘበለን ውርጹጽን፡ ክሳብ ካብ ትርጉም ክትብሎ መበቆላዊ ክትብሎ ዝቕስብ እዩ። ከም ሓደ መበቆላዊ ስነ-ጽሑፍ ድማ ይንበብ። እዚ፡ ነቲ ዘለዎም ናይ ፈጠራዊ ጽሕፈት ክእለትን ናይ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ሜላን ውሕልነትን ኣጕሊሑ የርኢ። ፍልልያት ትርጉም ብግቡእ ኣመሓላሊፎም፡ ዳርጋ ከም ዝስወሩ ይገብሩዎም።”

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ልሉይ ስም ካብ ዘለዎም ሓደ እቲ ህቡብ ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ። ኣለምሰገድን ተክአን ዳርጋ መሳቱ እዮም። ንኣእቶም ዝመሃሩዎምን ዝጸለዉዎምን - ብቐጥታን ብተዘዋዋርን - ዓበይቲ ሃገራውያን መማህራን ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህንን እዮም። ንኣለምሰገድ ተስፋይ ብዛዕባ ተክአ ተስፋይ (ኣብቲ ፈለማ ኣሕዋት’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ) ሓቲተዮ። ከምዚ ኢሉኒ፤

ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ

“ምስ ተኪአ፡ ልልይና ናብ ስሳ ዓመት ገጹ ዝገማገም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ መተዓብይቱ ዝኾኑ ደቂ ገዛ ከኒሻ ሓዊሰ’የ ዝዝክሮ። ብፍላይ ካብ’ቶም ክልተ ማናቱ ደቂ መምህር ሳህለ፡ ኣብርሃምን ኣማኑኤልን፡ ክፈልዮ የጸግመኒ። ኣብቲ ዝዓበናሉ ካብ 1950ታት ክሳብ 60ታት፡ ገዛ ከኒሻ ብስሙያት ፖለቲከኛታት፡ መማህራን፡ ደረስትን ተዋዘይትን ዝተጠርነቐት እያ ነይራ። መምህር ይስሃቕ ተወልደመድህን፡ መምህር ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ቀሺ እምባየ ህብትዝግን መዘናታቶምን ዝመራሕቶም ናይቲ እዋን’ቲ ምሁራት፡ ኣብ ዝቐጸለ ወለዶ ዓሚቝ ጽልዋ ከሕድሩ ግድን ነይሩ። ብቘልዑና ምስ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ዘላለዩና፡ ከም ጸጋይ (ጸጋእየሱስ) እያሱ፡ ሙሳ ኣሮን፡ ዮሴፍ ሃብተሚካኤል ዝመሰሉ ኤርትራውያን ደረስትን ተርጐምትን፡ ፍረ ናይዚ ጽልዋ’ዚ ነይሮም ኢለ እኣምን።”

ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ነገረሉ እዩ’ሞ፡ ብዕዮታት ተክአ ተስፋይ ዘይሓለፈ ኣብ ናተይ ዕድመ ኣሎ ኣይብልን። እንተስ ነቲ መጻሕፍቲ ረኺብካ፡ ሓደው ብመንገዲ ድምጺ ሓፋሽ ተተሪኹልካ ወይስ ንፉዓት መማህራንና ኣንቢቦምልካ፡ ተመሃራይ ኴንካ ንተክአ ተስፋይ ከይረኸብካ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን። ዓቢኻ’ውን ኣብ ዕዮ ስነ-ጽሑፍ ትነጥፍ እንተ ኴንካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞባይሉ ናይ ተክአ ተስፋይ መዝገበ ቃላት ዘይብሉ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ዕዮ ትርጉም እንነጥፍ’ሞ፡ ተክአ ቆመና ዓሚልና’ዩ። ነቲ ኣህላኺ ኣብ መዝገበ ቃላት (ኣብ ወረቐት ዝተሓትመ) ምድላይ ቃላት፡ ኣብ ሞባይላትና ብምጽዓን ብዝቐለለ ክንጥቀም በቒዕና።

“ኣሕተምቲ ሕድሪ” እዩ ዋና ኣፍራዪ ዕዮታት ተክአን መሻርኽቱን። እቲ መዝገበ ቃላት ብፕሮጀክት ሕድሪ ዝስራሕ፡ ኣብ ቀጻሊ ምምዕባልን ምምሕያሽን ዘሎ ድማ’ዩ። ዝበዝሐ ካብቲ ናይ ትርጉም ዕዮታቱ ምስ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብምትሕብባር ዘፍረዮ እዩ።

ናይ ሎሚ መልእኽተይ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ዓርቢ 21 መጋቢት 2025፡ ሰዓት 5፡30 መደብ ምልላይ ሓደስቲ መጻሕፍቲ ኣቶ ተክአን ጽንብል ኣበርክቶ መላእ ዕምሩ ኣብ ስነ-ጽሑፍን ቋንቋን ሃገርና ኣብ ሲነማ ሮማ ከካይድ እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ማሕበረ-ሰብ ስነ-ጽሑፍ ሃገርናን ግዱሳትን፡ ኣብቲ መደብ ክንሳተፍን ምስጋናን ንኣቶ ተክአ ከነቕርብን ለበዋ ዘየድልዮ ምዝኽኻር’ዩ። ብፍላይ ወለዲን መማህራን ተመሃሮ ደቆም ሒዞም ብምምጻእ ዓቢ ድርኺት ክፈጥሩሎም ይኽእሉ’ዮም። እቲ መደብ ንዘበርከተ ምምስጋን’ዩ። ከምቲ ወትሩ ዝብሎ፡ “ክብሪ ንሰብ ግብሪ!”

ኤፍረም ሃብተጽዮን


እንጅነር ተክአ ተስፋይ ክሳዕ 2018 ዘፍረዮ ዕዮ ዝሕብር ዝርዝር 

ዕዮታት ትርጉም

  • ፒኖክዮ [Carlo Collodi: Pinoc-chio], Asmara፡ Ethiopian Studies Centre 1990፡ 266 ገጻት 
  • ሕርሻ እንስሳ [George Orwell: Animal Farm], Asmara፡ Ethiopian Studies Centre፡ ቤት ማሕተም ፍራንሸስካና 1993፡ 114 ገጻት
  • እቲ ብሩኽ መሬት [Pearl S. Buck: The Good Earth], ኣስመራ፡ ሕድሪ 1995፡ x፡ 156 ገጻት 
  • ምእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ጽውጽዋያት ኤዞብ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 1998፡ ix፡ 212 ገጻት
  • ዕዮ ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ፡ መጽናዕትታት ቀዳማይ ሲምፖዚየም ቋንቋ ትግርኛ፡ 1991 ዓ/ም [= 1998/99]፡ ገጽ 538-552
  • እተመርጸ ጽውጽዋያት፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ (Sabur printing services) 1999፡ V፡ 68 ገጻት
  • ኣላዲንን እታ ትንግርታዊት ቀንዴልን (ካብ ጽውጽዋያት ሽሕን ሓደን ለይቲ)፡ ኣስመራ፡ ማሕተም ሳቡር፡ 2004፡ 67 ገጻት
  • ዓሊ ባባን እቶም ኣርብዓ ኸተርትን (ካብ ጽውጽዋያት ሽሕን ሓደን ለይትታት)፡ ኣስመራ፡ ማሕተም ሳቡር፡ 2004፡ ii፡ 30 ገጻት ["Ali Baba and the Forty Thieves"] 
  • እቲ ስሩይ ፈረስ (ካብ ጽውጽዋያት ሽሕን ሓደን ለይቲ) [The Enchanted Horse]፡ ኣስመራ፡ MBY Printing Press፡ 2007፡ ii፡ 38 ገጻ
  • ብዘይ ስድራ፡ ኣስመራ፡ ቤት ማሕተም ሳቡር፡ 2001፡ 344 ገጻት*
  • እቲ ኮንተ ናይ ሞንተ-ክሪስቶ (ብኣለክሳንደር ድዩማ)፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ 2018፡ 644 ገጻት 

መዝገበ-ቓላት

  • ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 1999፡ xxix፡ 1083 ገጻት
  • ምዕቡል መዝገበ-ቓላት እንግሊዝኛ-ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 2012፡ viii፡ 1348 ገጻት

መጽሓፍ ሰዋስዉ 

  • መባእታ ሰዋስዉን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 2015፡ [v፡] 201 ገጻት

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.