ብርግጽ ... ! ኪኖ ደሮናን ዒግታን ደኣ ንዘቲ!

Veröffentlicht am 17. März 2025 um 09:30

ዝኸበርኩም ኣሓት ኣሕዋት ኤርትራውያን ... !!!

እስኪ ሸውዓተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ንዘክር።

ወርሒ መጋቢት 2018 ... ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጠረስታ ምዕራፍ ናይቲ መድረኽ ... ነውጺ ደሮናን ዒግታን ነይራ። ሽዑ ...፡ ሰም ኤርትራን ኤርትራውያንን እናኣልዓሉ፡ "መዝሙር ሰላም ምስ ኤርትራ" ዝብል ደሮናን ዒግታን የዳሩኑ ነይሮም።

ኤርትራ ... ከም ረስኒ ሕማም ዓሶ፡ ሃንደበት ዝዓርግን ዝሃድእን ናይ ሰላም ይኹን ናይ ኵናት ኣጀንዳ የብላን።

ወትሩ ... ሃገራዊ ረብሓኣን ሉዑላዊ ግዝኣታን ኣብ ዘውሕስ ... ጥጡሕ ጐደቦን ሓባራዊ ምዕባለን ኪኖ ደሮናን ዒግታን ቀዋሚት እያ።

ብዝገርም ኣጋጣሚ ታሪኽ ልክዕ ተደጊሙ፡ ኢትይጵያ ኣብ መጋቢት 2025፡ ኣብ ነውጺ ሕምባበ ለውጢ መጺኣ። እንሆ ኸኣ ስም ኤርትራ፡ ከምቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ሓተታ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተገልጸ፡ ብምህለላ ኵናት፡ ኣብ ደሮናን ዒግታን የልዕልዎ ኣለዉ።

እሞኸ ... ? እወ እሞኸ ... ?

እታ መልሲ ... ኪኖ ደሮናን ዕግታን ምዝታይ እያ። እንጅነር ሲራክ ክፍለ፡ ከምኡ'ውን ... ቴድሮስ ጐይተኦም፡ ኣልዒልክሞ ዘለኹም ኣርእስቲ ዘተ "ኪኖ ደሮናን ዒግታን" እዋናዊ እዩ። ፍጹም እዋናዊ! ኣዛታዪ እልያስ ኣማረ ኸኣ ... ከም ወትሩ ... ጭራ ነብሪ ምስ ሓዘ ዘይሰድድ ዕቱብ እዩ።

ስለዚ ...  ኪኖ ደሮናን ዒግታን ... ብሃንቀውታ እጽበ ኣለኹ።

ካልኦት ኵልኹም ንጡፋት ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራውያን ኣሓት ኣሕዋት'ውን ... ሓደራኹም ብዛዕባ ጽባሕ፡ ኪኖ ደሮናን ዒግታን ንዘቲ።

ኣብዪ ኣሕመድን ብስም ወንጌል ዘራኸሶ ብልጽግንኡን ሞይቱ እዩ። ኣብ ምዉት ኣይንዛረብ። ኣብ ዝሞተ ከልቢ እምኒ ስለ ዘይድርበ! 

ደጊመ ሰላም

ኣንገሶም ኢሳቕ


#Livestream #ብቐጥታ_ዝፍኖ

ንሰኑይ 17-03-2025 

Monday, March 17 2025

ኣብዚ ሓድሽ ናይ “ሰሙናዊ ትንታነ” መደብና፡ ብዛዕባ “መኸተ #ኤርትራ — ክንዮ ደሮናን ዒግታን ኲናት” (#Eritrea's Strategy: Beyond War Hysteria) ምስ Tedros Goi & Sirak Kifle ዝግበር ሰፊሕ ዘተ ንኽትሳተፉ ብኣኽብሮት ንዕድም። 

#ግዜ – ሰዓት 8:00 PM ብኣቋጻጽራ በርሊን

ሰዓት 3:00 PM ብኣቋጻጽራ ኒውዮርክ

ነዛ ቻነልና ንኽትዓቢ፡ #ላይክ #ሼር (ብሰፊሑ ምዝርጋሕ) ከምኡ'ውን #ሳብስክራይብ ምግባር ኣይትረስዑ። 

http://www.youtube.com/@eliasamare

ስለ ምክትታልኩምን እተበርክቱልና ሃናጺ ርእይቶታትኩምን ብልቢ ነመስግን።

ቀጻሊ ምትብባዕኩምን ደገፍኩምን ከም ወትሩ ኣይፈለየና።

ኤልያስ ኣማረ

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.