እቲ ቐደም፡ ናይ ንእስነት ዋዒ እንከሎ፡ ቃል ቃል ዝብል ሃገራውን ሰውራውን ወኒ ዓሲሉና እንከሎ፡ ጕዳይ ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ ዝተወደአ (ዝተዓወተ) መሲሉና ናብ ካልእ ጕዳያት ኣግእዞታት ንመጣጠር ነበርና። ደረት ትርኢት ናይቲ ዘመን ዝጋርድ ነገር ኣይነበሮን። ናብ ኣግእዞ ቍጠባን ኣግእዞ ሓንጎልን (ኣተሓሳስባ) ንመጣጠር ነይርና። ኪነው ናጽነት ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኣግእዞ ምሉእነት ናይ ወድሰብ ንሓስብን ንውጥንን ነበርና። ወላ ኣብቲ ወጥሪ ዝሰፈኖ መድረኻት።
ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ምጥርጣር ኣይነበረን። እቶም ኣያታትናን መራሕትናን ብዝያዳ ዝጸቕጡሉ ዝነበሩ ጕዳያት፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ናጽነት ከጓንፍ ዝኽእል ብደሆታት እዩ ነይሩ። የጠንቅቑ እውን ነይሮም እዮም። መራሕትኹም፡ ጽባሕ መሳፍንቲ ኮይኖም ከይድህኹኹም፡ ካብ ሕጂ ተጠንቀቑ ይብሉና ነይሮም። ብዛዕባ ሕብረተሰብኣዊ ለውጢ ኽዛረቡ ከለዉ ድማ ሓያል ክኸውን ምዃኑ የተንብሁ ነይሮም እዮም።

ንኣብነት ኣብቲ ህላወና ኣብ ሕቶ ኣትይሉ ዝነበረ መድረኽ ምዝላቕ ናይ 1978-79 ከይተረፈ፡ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታ ተቐርቒርና እንከለና፡ መዓልቲን ለይቲን ብሚሳይላትን ነፈርቲን እንዳ ተደብደብና፡ ጽዑቕ ሰሚናራት ይካየድ ነይሩ። ሓደ ኻብኡ መጋቢት 8 1979 እዝክር።
ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ፡ ጸረ ነፈርቲ ተዳልዩ፡ ሳዓት ሓሙሽተ ዝጀመረ ድሙቕ ሰልፊ ናብ ሓደ ንእሽቶ ጀነረይተር ባዕ ዘበለቶ መአከቢ ቦታ በጽሐ። ሰብ በቦትኡ ሒዙ ሓጺር ውድባዊ መግለጺ ተዋሂቡ። ድሕርኡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ናብ ቅድሚት ወጺአን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ 8 መጋቢት፡ ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልትን፡ ብሓፈሽኡ ድማ ዅነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን፡ ዓለማዊ ዅነታት ደቂ ኣንስትዮን ተርአን ኣብ ሰውራታት ዓለምን ዝብሉ ኣርእስታት ኣሕጺረን ገሊጸን።
ሰለስቲአን ተጋደልቲ ምሁራትን ክቡራትን እየን ነይረን። ብግምት 2000 ዝኸውን ሰብ ተኸታቲልወን እዩ። ጸጸኒሑ እውን ድሙቕ ጣቕዒት ነይሩ እዩ። ብዘይካ ሓደ ኽልተ ናይ ድቃስ ጸገም ዝነበሮም ተጋደልቲ ዝበዝሑ ብጽሞና ይከታተልወን ነይሮም። ገለ ገለ ካልኦት ናይ ጓይላ ወኖም ከርውዩ ኽብሉ እቲ ሰሚናር "ነዊሑ፡ ኣሕጽር ኣብልዎ" ዝብሉ እውን ድምጾም የስምዑ ነበሩ። ሙዚቃ ኽተርኢ ዝተዳለወት ጕጅለ ባህሊ መሳርሒታታ ኣብ ቅድሚት ተዳልዩ ይረአ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ሰሚናር ጓይላ ኸም ዝህሉ ብሩህ ነበረ።

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይቲ ሰሚናር፡ ሓንቲ ነቲ ሰሚናር ዳርጋ ደቂሳ ዘሕለፈቶ፡ ጥቓይ ትሕርንኽ ዝነበረት ብጸይቲ ሃንደበት ብድድ ኢላ፡ ኣዒንታ ሓሳስያ፡ የማነ ጸጋም ቍሊሕ-ምሊሕ ድሕሪ ምባል፡ "ኣብዚኣ'ሞ" በለት ብዓውታ። እተን ነቲ ሰሚናር ዘካይዳ ዝነበራ ብጾት ኣየስተውዓላላን መስለኒ። ንኻልኦት ዕድል ይህባ ስለ ዝነበራ፡ እዛ ብጸይቲ ብጣዕሚ ኽትንህር ጀሚራ። "ኣብዚ'ሞ፡ ዕድል ሃባና'ባ" ክትብል ነቲ ከባቢ ሃወኸቶ። ኣብ ዳርጋ ምጥቕላል ናይቲ ሰሚናር፡ እታ ብጸይቲ ዕድል ተዋህባ።
ሕጂ ኸም ዝዝክሮን ብናተይ ቃላትን፡ እታ ብጸይቲ ኸምዚ በለት፦
"ጕዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጕዳይ ሕብረተሰብ እዩ። ጕዳይ ደቂ ተባዕትዮ እዩ። ጕዳይ ደቅና እዩ። ጕዳይ መጻኢና እዩ ... ንሕና ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮስ ተራና ብግብሪ ኣረጋጊጽና ኢና። ረኣዩልና ወይ መስክሩልና ኣየድልየናን እዩ። እተን ጌና ብቐያዲ ልምድታት ሕብረተሰብ ኣብ ውሻጠ ተሓዪረን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓራ ኽነውጽእ እንተኾይንና ግን፡ ብመጀመርታ ንደቂ ተባዕትዮ ኢና ሓራ ኽነውጽእ ዘሎና። ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝጽበየና ዘሎ ብጾት። ሕብረተሰብን እቲ ሱር ዝሰደደ ልምድታቱን ብቐሊሉ ኣይቅየርን እዩ። ጕዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረተሰብኣዊ ጕዳይ እዩ።"
ሓደ ብጸጋመይ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ጨሓም ብጻይ ("ማርክስ" ንብሎ ዝነበርና) ቀው ኢሉ ጠሚትዋ። ናይ ምግራም ምልክት ኣብ ገጹ እንዳተራእየ፡ ብስማ ጸዊዑ፡ "ምልእቲ ምሸት ክትሕርንኺ ኣሕሊፍክያስ፡ ካበይ መጺኡ እዚ ዅሉ ወርቃዊ መግለጺ" በላ ፍሽኽ እንዳበለ። ፍሽኽትኡ ልባዊ ነይሩ። በዓል ስሩዕ ደርጊ ስኒ እውን ነይሩ እዩ። ተፈታውን ምቕሉልን ብጻይ ነበረ።
እታ ብጸይቲ ሓጻርን ቅልጥፍትን መልሲ ሃበቶ።
"ስለምንታይ እጋደል ከም ዘለኹ'ኳ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።"
ክልቲኦም ብጾት ናጽነት ኣይረኣዩን። ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝነበሩ ግን ንናጽነት በቒዖም እዮም። ሓደ ኽልተ ካብኦም'ኳ ክሳብ ሕጂም ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ መንግስቲ የገልግሉ ኣለዉ። ሓንቲ ካብተን ኣካየድቲ ሰሚናር 8 መጋቢት ናይ 1979 ኣብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንነዊሕ ዓመታት ክትነጥፍ ጸኒሓ እያ። እተን ክልተ ኣካየድቲ ሰሚናር ግን ብህይወተን የለዋን። እታ ሓንቲ ብጸይቲ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ክትስዋእ ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ድሮ ናጽነት ተሰዊኣ።
ሕልመን ግን ህያው ኣሎ። ብርግጽ ጭቡጥ ለውጥታት መጺኡ እዩ። ግን ከምቲ ስውእቲ ብጸይቲ ኣብቲ ሰሚናር ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ልምድታት ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ዝቕየር ኣይኮነን። ሕብረተሰብኣዊ ለውጢ ናይ ወለዶታት ዕማም እዩ።

ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብኣዊ ኣግእዞ እዩ ዝረጋገጽ። ባህላዊ ስልጣነ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን እዩ ዝልካዕ።
ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍሉይ ሓለፋ ኣይኮናን ዝሓታ ዘለዋ። ማዕረ ዕድል ትምህርትን ስራሕን እየን ዝሓታ ዘለዋ። ማዕረ ዕድል ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ምምራሕን ምውሳንን እየን ዝሓታ ዘለዋ። ከምታ ታሪኻዊት ጭርሖ፡-
"ማዕርነት ብስራሕ ተኻፋልነት!"
ብደረጃ ዕላማ ሰውራናን ብደረጃ ፖሊሲ መንግስትን እንተዝኸውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ምበጽሓ ነይረን። ፖሊሲታት ግን ንበይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ሕብረተሰብኣዊ ኣመለካኽታ ኽንቀሳቐስን ክቕየርን ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብዙሕ ስጒመን እኳ ኣንተለዋ፡ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢታት ግን ጌና ምንቕ ኣይበላን ዘለዋ። ኣብ ብዙሕ ኣከባቢታት ቈልዑ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ተኸፊቱለን ዘሎ ዕድል ትምህርቲ ብግቡእ ክረብሓሉ ኣይከኣላን ዘለዋ። ትሕተ ዕድመ መርዓታት ከም ቀደሙ ኣሎ... ወዘተ ... ወዘተ።
ሕልምን ባህግን እተን ብጾት ህያው ኣሎ። እቲ ንምጭባጥ ሕልመንን ባህገንን ዝግበር ቃልሲ እውን ቀጻሊ እዩ። ኤርትራ ብዘይ ሰውራ ኣይትግለጽን እያ። ሰውራ ድማ ብዘይ ሕብረተሰብኣዊ ለውጢ ኣይግለጽን እዩ።
ስለ'ዚ ናይ ኣግእዞ ጓል ኣንስተይቲ ቓልሲ ሕብረተሰብኣዊ ቓልሲ እዩ።
ዝኽሪ ንኣደ ኤርትራ!
ዝኽሪ ንጀጋኑ ብጾት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ!
ማሕሙድ ሳልሕ
ምንጪ ጽሑፍ፦
https://www.facebook.com/mahmud.hamed.148/posts/2567898790083262?ref=embed_post
ምንጪ ስእልታት፦
1) https://www.facebook.com/story.php?story_fbid=1233561903503068&id=100064651746858
2) https://hoodcommunist.org/2023/03/16/equality-through-equal-participation-eritrean-women/amp/
3) https://shabait.com/amp/2020/12/26/britanya-a-masterpiece-of-women-fighters/
Kommentar hinzufügen
Kommentare