መጽሓፍ "ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና"

Veröffentlicht am 26. Juli 2025 um 21:03

ዓውድታት ፍልስፍና

ግሪኽ ዝመበቆሉ ምዕራባዊ ፍልስፍና፡ "Philo Sofia" ፍቕሪ ልቦና (Love of Wisdom) ማለት ኮይኑ፣ ኣብ መትከላት ርትዕን ህየሳዊ ክርክርን ዝተሰረተ'ዩ። ፋላስፋ ማለት ድማ ፈታው ልቦና ማለት እዩ። ፍልስፍና ዝበዝሐ እዋን ኣብዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ጨናፍር ወይ ዓውድታት ዝኽፈል ኮይኑ፣ ንሳቶም ድማ፦

  1. ሜታፊዚክስ (Metaphysics)፥ ምርምር ናይ ፍጽማዊ ሓቅነት
  2. ስነ-ፍልጠት (Epistemology)፥ ናይ ፍልጠት ምንጪ
  3. ናይ ክብሪ ክልሰ-ሓሳብ (Value-Theory)፥ ንኽብርታት ዘጽንዕ ዓውዲ
  4. ስነ-ምግባር (Ethics)፥ ንሞራላዊ ክብርታት ንሰናይን ክፋእን ዝብሉ ኣምራት ዘጽንዕ ዓውዲ
  5. ስነ-ጽባቐ (Asthetics)፥ ንባህሪ ናይ ጽባቐን ስነ-ጥበብን ዘጽንዕ ዓውዲ
  6. ስነ-ሞጎት (Logic)፥ መጽናዕቲ ብዛዕባ መትከላት ስነ ሓቅን ርትዕን
  7. ፖለቲካዊ ፍልስፍና (Political Philosophy)፥ ንዓይነታት መንግስቲ ወይ ምሕደራ: ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ዋንነት፡ መሰል፡ ሕግን ትግባረ ናይ ሕጋዊ ኮድ ስልጣንን ዘጽንዕ ዓውዲ እዩ።
  8. ማሕበራዊ ፍልስፍና (Social philosophy)፥ መጽናዕታዊ ሕቶታት ብዛዕባ ማሕበራዊ ጠባይን ትርጉም ሕብረተ-ሰብን ማሕበራዊ ትካላትን ኮይኑ፣ ካብ ተሞክሮኣዊ ዝምድናታት ብዝያዳ አብ ስነ-ምግባራዊ ክብርታት ዘተኵር ዓውዲ እዩ።
  9. ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍና ወይ ናይ ተፈጥሮ ፍልስፍና (Natural Philosophy)፥ ፍልስፍናዊ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጠባያት ባህርን ነገራዊ ኣድማስን (Physical Universe) ዘተኵር ዓውዲ እዩ።
  10. ፍልስፍና ታሪኽ (Philosophy of History)፥ ናይ ታሪኽ ትርጉም፡ ሕግታትን ናይ ዕብየቱ ኵነታትን ዘጽንዕ ናይ ፍልስፍና ሓደ ጨንፈር እዩ።
  11. ታሪኽ ፍልስፍና (History of Philosophy)፥ ናይ ፍልስፍና ኣመጻጽኣ፡ ናይ ኣተዓባብያኡ ሕግታትን ቀንዲ ቀንዲ ምዕራፋቱን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎኦም ዝካየድ ቃልሲ ዘጽንዕ ዓውዲ'ዩ። ካልእ ክልተ ፍሉያት ናይ ምርምር ዓይነት ፍልስፍና፡ እቲ ሓደ ተንታኒ ፍልስፍና፡ ሞጎታዊ መጽናዕቲ ናይ ኣምራትን ቋንቋን፤ ካልኣይ ድማ ጸማሪ ፍልስፍና፡ ኣሰራርዓ ናይ ኣምራት ንሓባራዊ ስርዓት ዝግለጹ'ውን ኣለዉ። ቀጺልና እንበአር ነዞም ዘልዓልናዮም ዓሰርተ ሓደ ኣርእስታት በብሓደ ነንብብ። …

መጽሓፍ "ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና" ካብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዝተራዕመ፡ በቲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ኣብ ሃገርና ከም "Documentary Fenkil" ሰነዳዊት ፊልም ፈንቅልን ካልእን ዘዳለወ ደራስን ተመራማርን ወተሃደራዊ ታሪኽ ሙሴ ገብረትንሳኤ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ።

መጽሓፍ "ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና" ምስ እትደልዩ፡ ሸዊት ሕሩይ ኢልኩም ብውሽጢ መስመር ተወከሱ።

መጽሓፍ "ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና"

ብሙሴ ገብረትንሳኤ

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.