
ብቴድሮስ ምሕረቱ
ርእይቶ ብዛዕባ መጽሓፍ
ብዘምህረት ዮውሃንስ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን
እዚ መጽሓፍ’ዚ ነቲ ንጸቢብ፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት ንኸገልግል ዘንቢዑ ክንገር ዝጸንሐ ታሪኽ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ብግቡእ ንምስናድ፡ ኣብ ቀዳማውን ካልኣውን ምንጭታት ብምምርኳስ ናይ ዝተኻየደ ርጡብ ምርምር ውጽኢት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰማንያ ዓመታት፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ንታሪኽ ናይ’ዞም ክልተ ኤርትራውያንን ዘርኣይ ደረስን፡ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ንፕሮፓጋንዳ ስለ እተጠቕምሉ፡ ክዉን ታሪኾም ምጽሓፍ በዳሂ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ቴድሮስ ነዚ ብድሆ’ዚ፡ ግዜ ዝሓተተ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ነቲ ክዉን ፍጻሜታት ብምእላሽን ብምርታዕን፡ ከላሲ ኣቀራርባ ብምንጻግ ኣብ መቓን እዋኑ ብምርኣይን ሚዛን ብምሕላውን ክትርኽ ብምብቅዑ ሞሳ ይግብኦ።
ብሰለሙን በርሀ ደራስን ጋዜጠኛን
ዛንታ መጐስ ኣስገዶምን ኣብርሃ ደቦጭን፡ መርኣያ መኸተ ኤርትራውያን ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእቲ ክንሱ፡ ንፖለቲካዊ ሕሳባት ተባሂሉ (ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ንምእማን) ካብ ዋናታቱ ተመንዚዑ፡ ዘይመልክዑ ሒዙ ክትረኸሉ ጸኒሑ’ዩ። ደራሲ፡ ዝንቡዕ ትረኻታት ብጭብታት በዲሁ፡ ሓቀኛ ታሪኾም ኣነጺሩ፡ ዘሐብን ጅግንነታዊ ታሪኾም ናብ ዋናታቱ መሊሱዎ ኣሎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምሕካኽ ደይ መደይ ኢልካ ዝተቐምዐ ታሪኽ ምእርናብ፡ ብዕቱብ ክስርሓሉ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር ንኡድ ስራሕ!
መጽሓፍ ንምእዛዝ ኣብዚ መራኸቢ (ሊንክ) እተዉ፦
Kommentar hinzufügen
Kommentare