ርእይቶይ ብዛዕባ ምልሶት ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ

Veröffentlicht am 30. März 2026 um 11:18

ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነዊሕን ኣሰልካይን ነዊሕ ናይ ትጽቢት ዓመታት፣ ናብ ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምምላሳ፡ ብእወታ ካብ ዝጥምትዎ ኣፍቀርቲ ስፖርት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓደ እየ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ካብ ዘረባ ሓሊፎም ብስራሕን ብግብርን ናብዛ መዓልቲ እዚኣ ዘብቅዑና፡ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስጋና ይብጽሓዮም። በዛ ታሪኻዊት ስርሖም እዚኣ ኩሉ ግዜ ክዝከሩ ክትነብሩ እዮም። ብፍሉይ ድማ፡ ፕረሲደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ መምህር ጳውሎስ ወልደሃይማኖት፣ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሞይኡን ኣብ ግዚኡን ቦታ እንተ ረኺቡ፣ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ብግብሪ ስለ ዘራኣኻና ከም ወትሩ ልዑል ኣድናቖተይ ክገልጸልካ እደሊ። ኤርትራ፡ ከማኻ ኣብ ዝወፈሮ ስራሕ፡ ብዝመልኮ ሞያ፡ ንዝወጠኖ ዕላማ ክሰርሕ ዝክእል ቅኑዕ ሰብ የብዝሓላ።

ኲዕሶ እግሪ፡ ስምዒት ዝፈጥር ልቢ፡ ሕብረተሰብ ዘራኽብ ድንድል እዩ። ኲዕሶ እግሪ፡ ንኹናት ሕድሕድ ኣይቮሪኮስት ብመንገዲ ዲድየር ድሮጉባን ኮዋኽብቲ ኣይቮሪኮስትን ዛራ ሰላም ዘዝነበ ዓውዲ እዩ። ኲዕሶ እግሪ፡ ንዂናት ባያፋር ብመንገዲ ክለብ ሳንቶስን ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ብራዚላዊ ነፍስሔር ፔለን ናይ 48 ሰዓታት ቶኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዘዐወተ እውን እዩ። ኲዕሶ እግሪ፡ ብመንገዲ ጆርጅ ዊሃ ኣብ ዂናት ሕድሕድ ላይበርያውያን እወታዊ ተራ ዝተጻወተ ጥበብ እዩ። ብሓፈሻ፡ ኩዕሶ እግሪ ፍቕርን ሰላምን ዘርጉድ፡ ቢልዮናት ስዓብቲ ዘለዎ፡ ብዘይ ዜማን ሕደማን ቅኒት ኣህዛብ ዘድምጽ ዓውዲ ስፖርት እዩ።

ብዛዕባ ምልሶት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጸወታት ብዙሕ ሰብ ሓሳቡ ይህብ ኣሎ። ሰብ ዝመስሎ ሓሳብ ይጽሓፍ፡ ይዛረብ። እዚ ይለመድ። ክእረምን ክዕረን ዝግብኦ ሃናጺ ነገራት እንተ ዀይኑ፡ ንዕቤት እታ ጋንታ ክሳብ ዝዀነ፡ ካብ ዝዀነ ኩርናዕ ይምጻእ፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓንጎፋይ ኢሉ ከም ዝቕበል ኣይጠራጠርን።

ኣብዛ ሓዳስ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ እዚኣ፡ ሃጓፍ ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ጽባሕ ይእረም። ኣብዛ ሃገራዊ ጋንታ እዚኣ፡ ሕጽረታት ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ጽባሕ ይፍታሕ። ኣብዛ ሃገራዊ ጋንታ እዚኣ፣ ክምረጹ ዝግብኦም ተጻወቲ ኣይተመርጹን ክዃኑ ይኽእሉ፡ ኣብታ ትቕጽል ጋንታ ይምረጹ። እቲ ስራሕ ተጀሚሩ ምበር ኣይተውድአን።”እዛ ሃገራዊት ጋንታ እዚኣ ትውክለኒ እያ፡” ዝብል ስምዒት ዘለዎ ሰብ፣ ኣብ ምሕያላ ብዓቕሙን ብዝኽእሎን ብቋንቋ ኩዕሶ እግሪ ይሓግዝ። ካብዚ ሓሊፉ ዝውሃብ ቅጭ ዘምጽእ፡ ፈላላይን ሚዛን ዘይብሉ ትሕዝቶን፡ ንኣእምሮ መንእሰያት ብቅንዕና ዘይሃንጽ ሓሳባትን ርእይቶታትን ውልቀሰባት ኣብ ኩሎም ዓይነት ማሕበራዊ መራኸብታት፣ ዋጋ ክዋሃቦ ኣይግባእን።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ “ሃገራዊ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣይትሳተፍን እያ፡” ክብል ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ፡ ምስታፋ ምስ ተረጋገጸ ግልብጥ ኢሉ ክትስዓር ይምነ። ”ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ስዒራ፡” ዝብል ዜና ምስ ሰምዐ ድማ፡ ሕማም መርዘን ይዃኖ እሞ ንኻልኣይ ግዜ ግልብጥ ኢሉ” ደይ ካብዝን ካብትን ኣራርዮም ዘምጽእዎም’ ይውስኽ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ሓዘኑን ሕመቊን ጥራይ ክደጋገም ምጽባይ ናይ ጥዕናን ናይ ቅንዕናን ኣይኰነን። ኩሉ ፍጻሜታት ምስ ፖሎቲካ ጥራይ ኣናላተምካ፡ ስም ኤርትራን ደቂ ኤርትራን ምድዋን ከብቅዕ ዝግብኦ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት ሕማም እዩ።

ኣነ ብወገነይ፡ ሰሉስ፡ 31 መጋቢት 2026 ምስ ኤስዋቲኒ ኣብ ዝህልዋ 2ይ ርክብ ቅድመ መጻረዩ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፣ ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ክትስዕርን ንቕድሚት ክትስጉምን እናተመነኹ፣ ወትሩ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዝወፈርዎ በሪኾም ክወጽኡ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ክሕግዝን ከበርክትን እየ። ቪቫ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ!

ምንጪ ስእሊ፡ ድራር ፍስሃየ

መም፡ ዮሴፍ ወርቀ

ሽወደን

#eritrea #football #eritreanationalteam #eswatini #AFCON2027 #eritreanfootball #EritreanNationalFootballFederation 

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.