ኣብ ኣጋጣሚ በዓላት ኤርትራ ኣብ ከተማታት ጊሰንን ሽቱትጋርትን ምስ ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ዘጋጠመ ዘሰንብድ ህውከትን ጐንጽን፡ እዞም “ሰዓብቲ ተቓወምቲ ኤርትራ ኢና” ዝብሉ ተኻፈልቲ ሰለማዊ-ሰልፊ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሕሉፍ ዝኾነ ጐንጽን ዓመጽን ብምጥቃሞምን ብምውራዶምን፣ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን ብርግጽ ስክፍታን ዘይተመለሱ ሕቶታትን ኣለዓዒሉ ዘሎ ጕዳይ’ዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓያሎ ግዱሳት ሰባት ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ከም ዘተሓሳስቦም ኣይሓብኡልናን። ብፍላይ ብሩኽ ዝበሃል ዜጋ ምሳና (ድምጺ ኤርትራውያን በሕጽሮት ድኤ) ክራኸብን ክዘራረብን ከም ዝደሊ ደጋጊሙ ምስ ሓበረና፣ ሓሳቡ ተቐቢልና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ካብቲ ምስኡ ዘካየድናዮ ዝርርብ፡ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ (ቀዳማይ ክፋል) ሒዝና ንሎሚ ናብ ኣንበብቲ ቐሪብና ኣለና።
ብሩኽ፦ ተገዲስኩም ደሃይ ብምግባርኩም የቐንየለይ እብለኩም!
ድኤ፦ ምሳና ኽትዘራረብ፡ ኣገዳሲ እትብሎ ድማ ግድን ክተካፍለና ከም ዝደለኻ ጽሒፍካልና ኔርካ።
ብሩኽ፦ እወ፡ ሓቅኹም! ኣብ በዓላት ኤርትራ ብዛዕባ ዘጓነፈ ኽዛረብ ገና ቓላት የብለይን። ሓቂ ንምዝራብ፡ መትሓዝን መጨበጥን’የ ዘይረኸብክሉ ዘለኹ። ኤርትራውያን ኣብዚ ዓዲ ጀርመን ካብ እንነብር፡ ካብ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ኣትሒዝና ኢና መስለኒ። ኣብዚ እንነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ክሳዕ ሕጂ ብሓፈሽኡ ጽቡቕ ሽም’ዩ ጸኒሕና። ሽምና ብኸም’ዚ ዘሐንኽ ዓይነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሪዱ ክዋረድ እንታይ ይበሃል! ዘስደምም’ዩ!
ድኤ፦ ሓቅኻ’ለኻ፡ ንምግላጹ ዘጸግም’ዩ። ነዚ ዅነታት ልክዕ ከማኻ ዝሪእዎን ዝስመዖምን ብዙሓት’ዮም። ፍቓደኛ እንተዄንካ፡ ኣብ ጀርመን ክንደይ ከም ዝገበርካ ትነግረና ዶ፧
ብሩኽ፦ ኣብ 80ታት ኣብ ንኡስ ዕድመይ ምስ ስድራ ቤተይ ሓቢረ ንጀርመን ዝመጻኹ ኤርትራዊ’የ። ኣብዚ ዓዲ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድአይ፣ ንሰለስተ ዓመት ብፍሉይ ሞያ ተማሂረ፡ ኽሳዕ ሕጂ’ውን በዚ ሞያ’ዚ ኣብ ስራሕ ዓለም እርከብ። ኣብ’ዘን ኣብ ጀርመን ዝነበርኩለን ዓመታት ኣብ ብዙሕ በዓላት ኤርትራ ተሳቲፈ እፈልጥ’የ። ከም’ዚ ዓይነት ከቢድ ዝኾነ ህውከትን ጐንጽን ዝኸበቦ በዓል ግን ርኤን ሰሚኤን ፈጺመ ኣይፈልጥን። ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝሪኦን ዝሰምዖን ዘለኹ ዘደንጹን’ዩ። ብሓቂ ጉዳም ዝኾነ’ዩ!
ድኤ፦ ከመይ ማለትካ’ዩ፧
ብሩኽ፦ ምስ’ቲ ኣነ ዝፈልጦም ኤርትራውያንን በዓላት ኤርትራን ምሉእ ብምሉእ ዘይሳነ’ዩ። ኣብ ጀርመን ብዙሓት ኤርትራውያን’የ ዝፈልጥ። ልክዕ ከም ወለደይ እዱባት፡ ጽዒሮምን ሰሪሖምን ዝናበሩ ጭዋታት ተቐማጦ’ዛ ሃገር’ዮም። ድምጾም ፈጺሙ ዘይስማዕን፡ ኣብ ደገ ኣብ ኣደባባይ ብጭራሽ ዘይረኣዩን፡ ብኸም’ዚ ሕጂ እንሪኦ ዘለና ምስ ፖሊስ ተራጺሞምን ተጋጭዮምን ዘይፈልጡን’ዮም። ብኸምዚ’የ ንኤርትራውያን ዝፈልጦምን ዝሪኦምን። ብዛዕባ ኤርትራውያንን ኮማዊ ህይወቶምን ክሓስብ እንከለኹ፣ ተጠርኒፎም ነንሓድሕዶም ናይ ምትሕግጋዝ ድሉውነት ዘርእዩን፡ ምስ ሃገሮምን ኣብ ዓዲ ምስ ዘለዉ ቤተ ሰብን ኣዝማድን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎምን’ዩ ኣብ ርእሰይ ዝመጸኒ ስእሊ። እዚ ብተሳተፍቲ ሰለማዊ-ሰልፊ ዝተፈጸመ ሕሉፍ ዝኾነ ህውከትን ጐንጽን ግን፡ ምስቲ ኣነ ዝፈልጦም ፈጺሙ ዘይመሳሰልን ዘይሰማማዕን’ዩ።
ንኣብነት፦ ብኽልተ ኢድካ ምሉእ ዕድሜኻ እናሰራሕካ እትናበር ፍጡር ወድ ኣዳም ኴንካ፣ እዘን ክልተ ኢድካ ናትካ ምዃነን ኣብ ዘዝኸድካዮ ቦታ ንኻልእ ሰብ ብቐጻሊ ምንጋር ኮነ ምሕባር መሸም ኣየድልየካን’ዩ። ምኽንያቱ ርዱእን ግሉጽን ስለ ዝኾነ፡ ኣድላይነት የብሉን። ሓደ ለይቲ ግዳ ደቂስካ ምስ ተበራበርካን ነቓሕካን፣ ሓንቲ ዘይነበረትካ ሳልሳይቲ ኢድ ኣብ ሰብነትካ ለጊባ ተንጠልጢላ እንተትሪኣሲ፡ እንታይ ኮን ምበልካ፧ ንምግላጹ ዘጸግም ብሓቂ ዘስደምም ምኾነካ! በዚ ምኽንያት’የ ነዚ ዝረኣናዮ ህውከትን ጐንጽን ዓመጽን ኣብ በዓላት ኤርትራ፡ ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ብጭራሽ ዘየንጸባርቕን ምምስሳል ዘይብሉን ጓና ዝኾነ ተርእዮ’ዩ ዝብል ዘለኹ።
ድኤ፦ ስድራ ቤትካ ኣብ ፖለቲካ ይነጥፉ ኔሮም ዶ፧
ብሩኽ፦ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝነጥፍ ቀረባ ዘመድ ኔሩኒ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ካስል ናይ ባዕሎም ዘካይድዎ ዝነበሩ ፈስቲቫል፡ ሓደ ጊዜ መንእሰይ እንከለኹ’ውን ከይደ ተሳቲፈ እፈልጥ። ሓቂ ዘረባ ንመንእሰያት ደስ ዘብል ፌስታ’ዩ ኔሩ። ኣቦይን እዚ ቐረባ ዘመደይን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮም፡ ኣብ ዝራኸብሉ ኣጋጣሚ መብዛሕትኡ ጊዜ ውዕዉዕ ዝኾነ ርሱን ክትዓት’ዮም ዘካይዱ ኔሮም። ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ኣብ ስደታዊ ህይወቶም ብኸመይ ይሕዝዎ ግን ዝፈልጡ፡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እናሃለዎም ተኸባቢሮምን ተኸኣኢሎምን ዝናበሩ ኣሕዋት’ዮም ኔሮም። ኣብ ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ’ዩ ኔሩ። በብወገኖም ዘካይድዎ ዝነበሩ በዓል ኮነ ፌስታ ብሰላም’ዩ ዝሓልፍ ኔሩ። ብዘይካ ሓሓሊፉ ብምኽንያት ኣልኮል ዝበኣሱ መንእሰያት እምበር፡ ካልእ ጸገም ኣጓኒፉ ኣይፈልጥን። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሪኦ ዘለና ጭካነ ዝመልኦ ናይ ህውከትን ዓመጽን ተግባራት ግን ዝተፈልየ’ዩ። ከምዚ ኸማይ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ብዙሓት ከም ዘለዉ ርግጸኛ’የ። እሞ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ርሕራሐ ብዘይብሉ ብጐነጽ . . . ትብሎ’ዩ ዝጠፍኣካ።
ድኤ፦ እቶም በዓላት ኤርትራ ዘካይዱ ኣካላት ንመንግስቲ ኤርትራ ይድግፉ ተባሂሎም’ዮም ዝውቀሱ፧
ብሩኽ፦ እዚ ኻብቲ ዘይሰማማዓሉ ነጥቢ’ዩ። ኣነ ንኣብነት፡ ኣባል ናይ’ቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ኣይኮንኩን። ኣብ በዓላት ኤርትራ ግን ደስ እናበለኒ ኔረ ኔረ እሳተፍ’የ። ብዙሓት ካብ ኣዕሩኽተይን ፈለጥተይ’ውን ምስ ስድራ ቤቶምን ደቆምን ሓቢሮም ኣብ በዓላት ኤርትራን ፈስቲቫልን ይካፈሉ’ዮም። እዞም በዓላት’ኳ ሰባት ዝራኸብሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ፍጻመታት’ዮም። ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ሃገር ጀርመን ናይ ወጻኢ መበቆል ዘለዎም ነበርቲ (Menschen mit Migrationshintergrund) በብማሕበራቶም ተጠርኒፎም፡ ዓመት ዓመት በዓላት ወይ ውራያት የካይዱ’ዮም። እዚ ናትና’ውን ካብዚ ናታቶም ዝፍለ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ማሕበራዊ ፍጻመ ወይ በዓል ኣብዚ ሃገር ብዘይ ሓደ ጸገምን ወጠጥን ክካየድ ፍቑድን ግቡእን ክኸውን ኣለዎ በሃሊ’የ!
እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ወቐሳ፡ መቓምጦ ወይ መንበር ምምሕዳሩ ኣብ ኤርትራ እምበር፡ ኣብዚ ሃገር ጀርመን ኣይኮነን ዘሎ። ብወገነይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ቐጥታዊ ርክብ ዘለኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣይኹን እምበር፡ ናብ ፈስቲቫላት ወይ በዓላት ኤርትራ ግን እኸይድ’የ። ኣብኡ ምስታፍ ከኣ ኣባል ውድብ ምዃን ኣየድሊ፡ ክልተ ኻብ ሚእቲ ምኽፋል ኣየድሊ። የድሊ’ዩ ኢሉ ዝማጐት ሰብ ወይ ኣካል፡ ሓቂ ኣይኮነን’የ ኽብሎ ዝደሊ። ሓቂ ድማ ከም’ቲ ዝበሃል፡ ብርእሳ ተቐበርካያ ብእግራ’ያ ትወጽእ። ንርእሰይ ወኪለ ኽዛረብ እንተኾይነ፡ ናብ በዓላት ወይ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝስሕበኒ ቐንዲ ምኽንያት፡ ዝመጻኽሉ መበቘለይ ኤርትራ ስለ ዝኾነት’ዩ። እዚ ድማ ገበን ዘይኮነ ዝተረጋገጸ መሰለይ’ዩ።
ድኤ፦ እዞም ዝካየዱ በዓልት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ጥራይ ዘለዎም ኣይኮኑን ማለትካ ድዩ፧
ብሩኽ፦ ኣብ ጀርመን ኢና ንነብር ዘለና። ብዙሓት ካባና ዜግነት ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ናይ ጀርመን ዘለና ኾይኑ፣ ምስዛ ሃገር ተሰማሚዕና ህይወትና ንመርሕ ዘለና ሰለማውያን ነበርታ ኢና። ከምቲ ዜጋታት’ዛ ሃገር ግቡኣትን መሰላትን ዘለዎም፡ ንሕና’ውን ግቡኣት ጥራይ ዘይኮነ ማዕረ መሰላት’ውን ኣለና። ኣብዛ ሃገር ክሳዕ ዘለና፡ ሕግታት ኤርትራ ዘይኮኑ ሕግታት ጀርመን’ዮም ኣብ ባይታ ዘናብሩናን ዝቕይዱናን። ናብራና ብቐንዱ ኣብዚ ዓዲ ዘማእከለ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ እንገብሮ ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣብ ኵሉ ሸነኻት ህይወትና፡ ብሕገ-መንግስቲ ናይ’ዛ እንነብረላ ሃገር ጀርመን መሰላትና ዝተዋሕሰን ዝተረጋገጸን’ዩ። ከም’ዚ ኣይኮነን ድዩ፧
ኤርትራ መበቈልና ምዃና ፍሉጥ ሓቂ ኾይኑ፣ ካብ ኤርትራ ምምጻና ተሓቢንና፡ ኣብ ምዕቃብ ቋንቋናን ባህልናን ድሕር ዘይንብለሉ ባህጊ’ለና። በዓላት ኤርትራ፡ ብፍላይ እዚ ዓመት መጸ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ፈስቲቫል-ኤርትራ፡ ብስነ ጥበባውያንን ምግብታትን ኤርትራ ዝተሰነየን ዝደመቐን፡ ደቂ ሃገር ሓንሳዕ ኣብ ዓመት ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ዘሕልፍሉ ባህላውን ማሕበራውን ፍጻመ’ዩ። ብፍላይ ነቶም ዓድን ባህልን ወለዶም ንምፍላጥ ዕድል ዘይረኸቡ ቈልዑትናን መንእሰያትናን ኣብ ፌስቲቫል-ኤርትራ ምስታፎምን ምክፋሎምን፡ እዚ ዘይብሃል ሓጐስ’ዩ ዝፈጥረሎም። ዝተፈላለዩ ወለዶታትን ጕጅለታትን ኣብ ድያስጶራ ዝራኸብሉ ንግደት፡ ኣብ መንጎ ጀርመንን ኤርትራን’ውን ናይ ሓባር መኣዲ ዝፈጥር ኣጋጣሚ’ዩ። ካብዚ ሓሊፍና ደኣ ናበይ ኢና ኽንከይድ ዝድለ ዘሎ፧ ከምዚ ዓይነት ማሕበራውን ባህላውን ፍጻመታት ብኸመይ’ዩ ኣጸጋሚ ዝኸውን ዘሎ፧
ድኤ፦ ብዛዕባ’ቶም ተሳተፍቲ ሰለማዊ-ሰልፊ እንታይ ትብለና፧
ብሩኽ፦ ምክያድ ሰለማዊ-ሰልፊ ዝድገፍ ሓሳብ’ዩ። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ሃገር ጀርመን’ውን፡ ጕድኣት ዘውርድ መሳርያ ከይሓዙ ብሰለማዊ ኣገባብ ናይ ምእካብን ተቓውሞ ናይ ምግላጽን መሰሎም ዝተዋሕሰ’ዩ። እንተኾነ ግን፡ በትርን ባላን እምንን ካራን ዝኣመሰለ መሳርያ ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ኤርትራውያንን ፖላይስ ጀርመንን መጥቃዕቲ ክፍጽሙን ጕድኣት ከውርዱን ፈጺሙ መሰል የብሎምን። እዞም ሰለማዊ-ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት፡ ሓቂ ንምዝራብ፡ ንመሰል ሰለማዊ-ሰልፊ ብምምዝማዝ፡ ንዝተፈቕደሎም መሰል ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዘይ ኣገባብ ኣብ ናይ ህውከትን ጐነጽን ተግባራት ዘውዓልዎን ዘተግበርዎን ዓጋፎ (ሞብ) ’ዮም ዝመስሉ ኔሮም። እቲ ብዓይንና ዝረኣናዮ ኣሰቃቒ ትርኢት ነጋሪ ዘየድልዮ ንባዕሉ ምስክር’ዩ ኔሩ። ኲላትና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለ ዝኾና፡ ቦታ ናይ ከም’ዚኦም ህውከትን ጐንጽን ዓመጽን ዝፍጽሙ ድማ፡ ኣብ ቅርዓት በዓላት ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብገበናቶም ኣብ ዝሕተትሉ መጋባእያ ቤት ፍርዲ’ዩ ኽኸውን ዝግብኦ!
እዚ ጽሑፍ ካብቲ ብቛንቋ ጀርመን ዝተገብረ ዝርርብ "Unerklärliche Gewaltexzesse bei Eritrea-Veranstaltungen: eine eritreische Perspektive" እተተርጐመ ኾይኑ፣ ካልኣይ ክፋሉ ኣብ ዝቕጽል ክቐርብ እዩ። ንብሩኽ ብግልጺ ምሳና ብዝገበሮ ዝርርብ ክነመስግኖን፡ ኣብዚ መኣዲ ድምጺ ኤርትራውያን ድማ ብሓሳብን ብርእይቶን ብቐጻሊ ኽሳተፍ ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ክንገልጸሉን ንደሊ።
Kommentar hinzufügen
Kommentare
Thank you for sharing our decent fellow Eritran brother and ድምጺ ኤርትራውያን .
We greatly appreciate your comment, which made us delighted. Still hoping our readers will be engaged.
Your Eritreische Stimme (Eritrean Voice)