ፒተር ዎርቲንግተን (Peter Worthington) መስራቲ-ኣሰናዳኢ ናይታ ሰፊሕ ዓለማዊ ተነባብነት ዘለዋ ‘ቶሮንቶ ሳን’ (Toronto Sun newspaper) ዝተባህለት ጋዜጣ ካናዳ እዩ። ንሱ “ናደው እዝ” ክድምሰስ እንከሎን ኤርትራውያን ናይ ሓርነት ተጋደልቲ ህግሓኤ (ሻዕብያ) መንስተንክራዊ ጅግንነት ክፍጽሙ እንከለዉን፣ ብዓይኖም ካብ ዝረኣዩ ውሑዳት ወጻእተኛታት ሓደ እዩ። ቅድሚ 8 ዓመት ኣቢሉ ብዛዕባ’ቲ ኲናት - ትዕዝብቱን ምስክርነቱን እትገልጽ ዓንቀጽ ናብ ‘ኦታዋ ሳን’ ዝተባህለት ካልእ ዓባይ ጋዜጣ ካናዳ ልኢኹ ነይሩ። እንተኾነ ግን እታ ዓንቀጽ ናብ ሕትመት ከይበቕዐት እንከላ፣ ዎርቲንግተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እታ ጽሕፍቲ ድማ ድሕሪ ሞቱ ተሓቲማ ወጺኣ። እቲ ካናዳዊ ዘስፈሮ ዓንቀጽ ከምዘለዎ ትርጉሙ ከምዚ ይመስል - እንሆ፥
እታ ንእሽቶ ግን ከኣ ዘይትጸዓድ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኤርትራ፣ ነብሳ ካብ ሞቝሕ ናይ ኢትዮጵያ ሓራ ንምግባር ዘካየደቶ ናይ 30 ዓመታት ኲናት ድሕሪ ምዕዋታ፣ ዓመት መጸ 24 ግንቦት ናጽነታ ክትጽምብል እያ። ሓንቲ ካብተን ብዕድመ ዝነኣሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራ፣ ኣዝያ ሕብንቲ ሃገር እያ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተዓዘቦ ናይ 1993 ረፈረንደም፣ እቶም 99.98 ሚእታዊት ንናጽነት ኣድሚጾም። እታ ከባቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ከኣ፣ ካብታ 80 ሚልዮን ህዝብን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን በብተራ ዝተደገፈ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሜካናይዝድ ሰራዊት እትውንንን ኢትዮጵያ ናጻ ወጺኣ።
ንግንባር ናቕፋ ዘፍረሰ ውግእ ኣፍዓበት (ስርሒት ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’)፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውግእ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ እምበኣር ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራውያን ነጥበ-መቐይሮ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ንኣንፈት ታሪኽ ዝቐየሩ እውን እዩ ነይሩ። ብዙሕ ግዜ ከኣ ምስቲ ፈረንሳውያን ኣብ ኢንዶቻይና ዝተሳዕሩሉ ውግእ ዴን ቤን ፉ ከምኡ’ውን ሩስያውያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንጀርመናውያን ዝሃሰይሉ ውግእ ከርስክን እዩ ዝነጻጸር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ጽምብላት ኤርትራውያን ክሳብ ዝዝከር፣ ኣብ ውግእ ኣፍዓበት ብኣካል ምንባረይ ዳርጋ ረሲዐዮ እየ ጸኒሐ። ሽዑኡ ብመንጎ ሬሳታት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክስጉምን ንረዲኤት ተባሂሉ ዝተላእከ ናይ ካናዳ እኽልን ሓርጭን፣ ናብ ወተሃደራዊ መዓላ ተጠውዩ ኣብ ኣፍዓበት መግቢ ኮይኑ ክጸንሓንን ሕጂ ኮይኑ ይረኣየኒ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን’ዚ ኣነን ሮብ ሮይ ዝተባህለ ናይ መራኸቢ ብዙሓን በዓል ሞያን፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ወተሃደራት ምንቅስቓሳትን ውግኣትን ናይ ቴለቪዥን ዶክሜንታሪ ንምስራሕ ኢና ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣቲና። ኮይኑ ከኣ ነቲ ዓወት ናይ ኤርትራውያን ክንስንድ ዝኸኣልና ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ንሕና ጥራይ ኔርና።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጎግልን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ብዛዕባ ኣፍዓበት ስእሊ ሓቲትካዮም፣ ‘የለን’ ክብሉኻ ከለዉ፣ ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ። መሊኦም እምበር ኣለዉ። ኣነ ነቲ ኲናት ስኢለዮ እየ፣ ሰኒደዮ ድማ ኣለኹ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ መብዛሕትኦም ኣብ ሃገራዊ ቤተስነዳ ከተማ ኦታዋ (ርእሰ-ከተማ ካናዳ) ኣለዉ።
ኣብ መጀመርታ ዋላ’ኳ ኣብኡ እንተነበርና፣ ኣነን ሮይን እቲ ኲናት ክንድኡ ዕብየትን ኣገዳስነትን ከምዝህልዎ ፍጹም ኣየስተውዓልናን ኔርና። ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣጋይሽ ኴንና ብሱዳን ብዓበይቲ መካይን ኢና ኣቲና። ለይቲ ድማ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣበየናይ ኩርናዕ ናይታ ሃገር ከምዘለና’ውን ንፈልጦ ኣይነበረናን።
ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዳርጋ ጥራይ እግሩ ዝኸይድ ደባይ ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ’ዩ ኣንጻር’ቲ ክሳብ ኣፍንጫኡ ታንክታትን ዘመናዊ መዳፍዕን ዝዓጠቐ ካብ 20 ክሳብ 25 ሽሕ ዝበጽሕ “ናደው እዝ” ዝተባህለ ዝሓየለ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ዘሎ። ኣንጻር’ቲ ኩሉ ሓጺነ-መጺንን ሓይሊ ሰብን ክዕወት እዩ ኢልካ ክትሓስቦ ዳርጋ ዝከኣል ኣይነበረን። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝሰለቦ ኣጽዋር’ምበር ካብ ደገ ዝረኽቦ ሓገዝ ኣይነበሮን። እቲ ብኣረሜን መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግን ሰፍ ዘይብል ደገፍ ማሕበርነታዊ ደምበ ነይርዎ።
ብ17 መጋቢት 1988 ውግእ ተወሊዑ። ኣነን ሮይን ድማ ነቲ ናይ ውግእ ዞባ ክንርእዮ ኬድና። ፈቖዶኡ ፋሕ ዝበለ ሬሳታት፡ ገሊኡ ዝተቖራረጸ፣ ከምኡ’ውን ዓስከሬናት ኣቐዲሙ ናይ ዝተኻየደ ውግኣት ርኢና። እቶም ኣብቲ ቅድመ-ግንባር ዝጸንሑና ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን'ዮም።
ድሒርና ከምዝተረዳእናዮ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክፍኑ ኣብ ምድላው እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ግን ቀዲሙ ኣጥቂዕዎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሃድም ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ድብያ ስለዝነጽሖ ዳርጋ ብምሉኡ ተደምሲሱ። እቲ ሜካናይዝድ ብርጌድ እውን እናሃደመ እንከሎ ኣብ ክሳድ ዓሽሩም ምስ በጽሐ እታ ቀዳመይትን መወዳእታን ተሽከርከርቲ ስለዝተሃርማ መውጽኢ ስኢኑ። ሽዑ እተን ታንክታት፣ ወተሃደራውያን መካይንን ዘመናዊ መዳፍዕን ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ከይኣትዋ ብምባል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ኣጽዋሩ ባዕሉ ብነፈርቲ ኣዕኒዩዎ።
ዕንወት እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ክሳራታት ከምዘየጋጠሞ እዩ ዝገልጽ። ንሕና’ውን ዝረኣናዮ ክሳራ ኣይነበረን። ሬሳታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ግን ፈቖዶኡ ተዛሕዚሖም ነይሮም። ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ኣፍዓበትን ከባቢኡን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብትእዛዝ መንግስቱ ሃይለማርያም ተቐቲሉ እዩ። ዓወት ናይቶም ተጋደልቲ ከኣ፣ እቲ ቃልሲ ከምዝተወድአ ዝገለጸ እዩ ነይሩ - ዋላ’ኳ ብድሕሪኡ ንሒደት ዓመታት እንተቐጸለ።
መንግስቱ ምቹእ ህይወት ንምሕላፍ ናብ ዙምባብወ ሃዲሙ። ኣነን ሮይን ሓደ ፍሉይን ዘይልሙድን ነገር ንምስክር ከም ዘለና ኣስተብሂልና። ዝተማረኸ ናይ ሕብረት ሶቭየት ኣጽዋርን ታንክታትን ተጠውዩ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይቐንዕ ነይሩ። ገለ ሬሳታት ተሽከርከቲ ረጊጸንኦም ስለዝሓለፋ፣ ከም ቅጫ እዮም ጸፊሖም ነይሮም። እቲ ንረዲኤት ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ካናዳ ዝወሃብ ዝነበረ ረዲኤት ምስ ዘይቱ፡ እቶም ወተሃደራት ይምገብዎ ጥራይ ኣይኮኑን ነይሮም። ኣብ ድኳናት ናይ ኣፍዓበት እውን ክሽየጥ ጸኒሑና።
ሰለስተ-ኣርባዕተ ምሩኻት ኢትዮጵያውያን ከዘራርብ ተሃንጥየ። ንተጋደልቲ ምስ ሓተትክዎም ጸገም ከምዘይብሉ ነጊሮምኒ። ክንደይ ዝኾኑ ይህልዉዎም ይኾኑ እናበልኩ እሓስብ ነይረ። መወዳእትኡ ናብ ሓደ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ወሲዶምና። ኣብ ዝጸንሓና ነገር ኣይነበረን። ቁሊሕሊሕ እንተበልና፣ ማዕበል ናይ ሰባት ክመጽእ ርኢና። ወሓዚ ፈለግ ናይ ሰባት እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያውያን ምሩኻት ብኣሽሓት ክውሕዙ ጀሚሮም። ምናልባት ክሳብ 10 ሽሕ ክበጽሑ ይኽእሉ።
ኣብ መንጎኦም ዘወርወር ምስ በልና፣ እንግሊዝኛ ክዛረቡ ዝኽእሉ መኮንናት ረኺብና። ኣዘራሪብናዮም ድማ። ኩሎም ከኣ ኲናት ሰልችዎም ከም ዝነበረ ብምግላጽ፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዘይደልዩ ገሊጾምልና። ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ዘለዎም ጽልኢ እውን ኣዕሊሎምና። ብኣንጻር’ቲ ገዛእ ኣዘዝቶም ዝገብሩሎም ዝነበሩ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ምሩኻት ሕንቁቕ ኣተኣላልያ እዩ ዝገብረሎም። እቲ ዘገርም ግን ምዕራባውያን ምስ ኢትዮጵያ ምውጋኖም እዩ። ዋላ ቀይሕ መስቀል እኮ እዩ ምስ ኢትዮጵያ ጸግዒ ሒዙ። ዓባይ ስለ ዝኾነት'ዶ ኾን ይኸውን? እንድዒ!
ብኣካል ካብ ዝተኸታተልክዎ ውግኣትን ቅልውላዋትን፣ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ዝዳረግ ፍጹም ኣይረኸብኩን። ፍጹም ርእሰ-ምርኮሳ። ካብ ነብሶም እምበር ኣብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ወገን ዘይጽበዩ። ጎቦታት ጨዳዲዶም ዝተኸልዎ ናይ ሽዳን መድሃኒትን ፋብሪካታት፣ እቲ ልዕሊ 1,000 ዓራታት ዝሕዝ ሆስፒታልን ካልእን ኣዝዮም ዘገርሙን ዝምስጡን እዮም። ኩሉም ድማ ብቀላጥ ኣየር ኣይረኣዩን እዮም። ሓደ ሲሶ ካብ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ደቀንስትዮ እየን። እዚ ዋላ ኣብቲ ቅድመ-ግንባር እዩ። እዚ ዘሐብን ታሪኽ እዩ። ኣብ ካናዳ 15 ሚኢታዊት ናይቲ ሰራዊት ደቀንስትዮ እየን። ካብዚኣተን 2 ሚእታዊት ጥራይ እየን ኣብቲ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘለዋ። ብዝኾነ ውግእ ኣፍዓበት ናጻ ኤርትራ ዝወለደ ታሪኻዊ ውግእ እዩ’ሞ፣ ከምቶም ካልኦት ናይ ዓለምና ውግኣት፣ ብታሪኻውነቱ ክዝከር ክነብር ይግባእ።
ክብርን ሞጎስን ንሰማእቲ ሃገር!
ሸጥ መዓንጣ!!
ፒተር ዎርቲንግተን ለካቲት 16፡ 1927 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ (Winnipeg) ካናዳ ተወሊዱ። ኣብ ግንቦት 12፡ 2013 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓው!
© Zekarias Semere's Timeline
ካብ Berhane Habtemariam እተወስደ
#Zantana #TheBattleOfAfabet #TheAnnihilationOfNadewCommand #EritreanStruggle #EritreanRevolution #EritreanPeople'sLiberationFront #EPLF #Eritrea #EritreaPrevails #Eritreans #HornOfAfrica #Africa #AfricanRevolution
Kommentar hinzufügen
Kommentare