ግጥሚ ብይስሓቕ ኣብርሃም / A poem in praise of Biniam Girmay by Isaac Abrham

ጅግና ዘመንና!
እዛ ኤረና ዓዲ ጀጋኑ
ጅግና መጺኡላ ኣብ እዋኑ
ቢኒ ነብሪ ጎልጎል ጥሒሻ
ቢኒ ሃብሮም ቢኒ ኣንበሳ።
ለካ ጅግናሲ ኣሎ በብዓውዱ
ደሚቑ ዘድምቕ ንዓዱ
እንሆ እንዶ ቢኒ የግህዶ
ነቲ ርሑቕ ዝመስል ማዕዶ።
ኣብ ማእከል ዓዲ ጓና
ምስ ሸኾኽቲ ሰብ መዘና
ኣብቲ ዓለማዊ መድረኽ
ሸቢቡሲ በለ ቦሎኽ።
ንሱ ዝገጠሞም ሓሽከት
ኣቤት'ወ ብናቱ ምልከት
ነዛ ብሽክለታ ጠዋውዩ
የብጽሓ ጉዳም ናብ ድላዩ።
ቢኒ ካብ ጻዕሪ ናብ ጻዕሪ
ኣብ ኪሎሜትራት ብናህሪ
ሜዳ፡ ሓሊፉ ዓቐብ ቁልቁል
ከዓም ይህንፈፍ ካብ ዝነቅል።
ኣብቲ ድሎ ብድሎ ቮላታ
ዛሕዚሑ ንሰብ ሳይክሊስታ
ምስ ፍናኑ፡ ኒሕ ሓቦ
ርግጽ ኣቢሉ ንመዓልቦ።
ቢኒ... ቢኒ... ቢኒ ዋና
ገሪሙ የገርም ንዓለምና
ሓበን ኮይኑ ንኣፍሪቃ
መሪሕን ጎብለልን በቃ!
ኣብ ስፖርት ዘሎ ቅያ
ኣብ ሰላም ዘሎ ኣርኣያ
ኣብ ዝና ዘሎ ፍቕሪ
ኣርእዩና ቢኒ ኣባ ዳህሪ!
ከም ዜጋ መጠን ወኪል
ኮይኑና ኣምባሳደር ዝኣክል
ስለ'ቲ ዓወታት ምግዛሙ
ብሰናይ ተላዒልና ብስሙ።
ንሱን ክስዕር መመሊሱ
ኣብ ታሪኽ ክነብር ነጊሱ
እናተመነና ስለ'ቲ ክብሩ
ንሕናን ንሃሉ ኣብ ኣሰሩ!
ይስሓቕ ኣብርሃም
ዘሳስካቸዋን - ካናዳ
ሓምለ 2024

Kommentar hinzufügen
Kommentare