
ኣብ ኮምፕዩተር ወይ ኣብ ተንቃሳቓሲት ስልኪ (ሞባይል) ብፊደላት ግዕዝ ጌርና መዓልታዊ ኢና ንጽሕፍ። ኣብ ኮምፕዩተር ብፊደላት ግዕዝ ንኽጸሓፍ ዘኽኣለ ፈላማይ ግን መን’ዩ ኔሩ? ነዚ ብልሓት’ዚ ንፈለማ ጊዜ 1981 ዘተግበረን ዘተኣታተወን መሃንድስ ረቂቕ ንዋት (software engineer) ኤርትራዊ የማነ ርእሶም’ዩ ኔሩ።
ንመሃንድስ የማነ ርእሶም፡
ልዑል ኣኽብሮትናን ኣድናቖትናን ይብጻሓዮ!
Yemane Russom, an Eritrean software engineer was a pioneer in Geez software development. In 1981, he introduced GeezWord, the first GeezSoft and Phonetic system for Macintosh computers, enabling Ethiopians and Eritreans to use the Geez script on computers for the very first time. Courtesy of TesfaNews Net
For more information / ንዝያዳ ሓበሬታ፦
Kommentar hinzufügen
Kommentare
ዝኸበርካ ኢንጂነር የማነ፣
ንተምሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ መመሃሪ ዝኸዉን ናይ ትግርኛ ቡክለት ዓይነት የዳሉ ኣለኹ፣ ብዛዕባ ህቡባት ኤርትራዉያን ክደሊ እንከለኹ፣ ዝዓበየ ስራሕ ከምዝሰራሕካን ሳላኻ ከኣ ብትግርኛ ኣብ ኮምፒተር ኮነ ካልእ ክንጽሕፍ ክኢልናስ ብትግርኛ ይጽሕፈልካ ኣለኹ እሞ፣ ነዚ ዓቢ ኣበርክቶካ ተምሃሮ ኮነ ካልኦት መታን ክላለይዎ ብዛዕባ እንተጸሓፍኩ እንታይ ይመስለካ?
ሓዉኻ
መም ኣማኑኤል ኣስመላሽ ካብ ሽወደን
ሰላም መምህር ኣማኑኤል፣
ኣቐዲምና ስለ መልእኽትኻን ተገዳስነትካን ልዑል ምስጋና ይብጻሕካ ክንብል ንደሊ።
ንኢንጂነር የማነ ርእሶም ብቝጽሪ ተንቀሳቓሲ ስልኪ 713-874-4653 (ዋትስኣፕ) ደዊልካ ብቐጥታ ኽትረኽቦም ከም እትኽእል ክንሕብረካ ንፈቱ።
ኣብዚ እተካይዶ ዘለኻ ኣገዳስን ኣድላይን ዝኾነ መደብ ወይ ፕሮጀክት ድማ ኣሳልጦን ዓወትን ንምነየልካ።
ምስ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ
ድምጺ ኤርትራውያን ጀርመን