
ወለዶይ ደቂ ኣስመራ፡ ኣብዚ ቕንያት ቅድሚ 50 ዓመት ኣበይ ከም ዝነበርና ኣይንርስዖን ኢና።
መዓልታዊ ኢና ንደዋወል።
“ሽምዓዶ ወሊዕኻ?” ሃንደበት ሓተተኒ ጳውሎስ።
“ኢሂ?” መለስክሉ።
“ናይ 50 ዓመት” ልቅብ ኣቢሉ “ኣበይ ከም ዝነበርካ ረሲዕኻዮ ዲኻ?”
“ኣይረሳዕክዎን፡ ከመይ ኢለ ኽርስዖ!” ኢለዮ።
ኣብ ጊዜ ንእስነት ናይ ስቶማኮ እንብሎ ሽግር ነይሩኒ። ናብ ሓኪም ምምልላስ: ሆስፒታል ምእታው ናተይ ኢለ እየ ሒዘዮ ነይረ።
ኣብዚ ቕንያት ቅድሚ 50 ዓመት ሓሚመ ኣብ ክሊንክ ኣጀያ ደቂሰ ነይረ። ኣዕሩኽተይ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ምሸት ምሳይ እዮም ዘምስዩ።
ሓደ ምሸት ካርታ እናተጻወትና: ጠራዕራዕ ጠራዕራዕ ጠያይቲ ንሰምዕ። ቀጺሉ … ጽዒቁ። ብፍቓድ ነርስ ነምሲ ስለ ዝነበርና: ኣብ መደቀስየይ መጺአን “ኪዱ ገዛኹም!” በለኦም።
ተዅሲ ንመዓልታት ቀጺሉ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብዙሓት እንፈልጦም ብስልክን ብጥይትን ከም ዝተቐትሉ ሰሚዕና። ምስግና ጸጋይ ዓርክና እውን ኣብ ገዝኡ እንከሎ ጥይት ሸፈፍ ኣቢላቶ ከም ዝሓለፈት ፈሊጥና። ኣብ ጥቓ ገዛውትና: ኣብ ዝባን ስንቀይ ማእለያ ዘይብሎም ተቐቲሎም። ኣዴታት ኢድ ብኢድ ምስ ጦር ሰራዊት ገጢመን። ...
ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈጸመ ህልቂት ግን ጸኒሑ እዩ ተረዲኡና።
ብሓጺሩ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ፡ ኵሎም ኣዕሩኽተይ ኣበይ ከም ዝነበሩ ኣይርሳዕን እዩ።

ብእንጅነር ሲራክ ክፍለ እተደርሳ መጽሓፍቲ፦
ሕብረተ ሰብ ካበይ፡ ናበይ፡ ብኸመይ
ሓሳባት - ትካላት - ተግባር
ቅጺ 1

ቅጺ 2

Getting to Norway
A step by step approach to value creation in Petroleum Development

Kommentar hinzufügen
Kommentare