
- እቲ ሎሚ ብደረጃ ዓዲን ኣውራጃን ዝሓስብ ዘሎ ዜጋ፡ ምስ ምድላብ ንቕሓት ብሃገር ምሕሳብ ክጅምር'ዩ!
ብሃገር ምሕሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ እዩ። ብዓዲ ዝሓስብ ሰብ እንተልዩ ኣይትፍረዶ፥ ምኽንያቱ ኪንዮ ዓዲ ዝኸይድ ደረጃ ንቕሓት ኣየማዕበለን ዘሎ። ነቲ ብኣውራጃ ዝሓስብ'ውን ብተመሳሳሊ ኣይትኽዓቦ፥ ደረጃ ንቕሓቱ ኣውራጃ እዩ ደረቱ። ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝተመስረታሉ እዋን ብዙሓት ዜጋታተን ብኣውራጃን ቁሸትን እዮም ዝሓስቡ ነይሮም። እዚ ሎሚ ብዛዕባ ሃገር ዘለዎም መረዳእታ ከኣ ምስ ግዜ እዮም ኣማዕቢሎምዎ።
ብሃገር ምሕሳብ ኣብዚ እዋንዚ ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰባት ዓለም ብምዃኑ፡ እቶም ብዓዲን ኣውራጃን ዝሓስቡ ኣሕዋት ደረጃ ንቕሓቶም እናበረኸ ምስ ከደ ናብ ብሃገር ምሕሳብ ክሰጋገሩ እዮም። እቶም ድሮ ብሃገር ትሓስቡ ዘለኹም እምበኣር ደረጃ ንቕሓትኩም ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ በጺሑ ምህላዉ ምግንዛብ ይከኣል።
ወዲ ሰብ ዓዲ መስሪቱ ክነባበር ካብ ዝጅምር ስልጣነታት (civilizations)ን ግዝኣታት (empires)ን መስሪቱ ይመሓደር ነይሩ። ክንዲ ዝደለቦ ሓይሊ መሬት ወኒኑ ህዝቢ ይገዝእ ነይሩ። ምስ ግዜ ግና "ሃገር" ዝብል ዓለማዊ መዋቕር ተኣታትዩ። ህዝብታት ካብ ቅድሚ 500 ዓመት ኣቢሎም ቀዋሚ ዶባት ሓንጺጾም ክነብሩ ጀሚሮም። ብኡ መሰረት ሎሚ እዛ ፕላኔት ናብ ኣስታት 200 ልኡላውያን ሃገራት ተመቓቒላ ትነብር ኣላ። እተን ሃገራት ንባዕለን ኣብ ውሽጠን ኣውራጃታት ወይ ዞባታትን ዓድታትን ይሓቚፋ።
ንጸሓፍን ተመራማርን ሳምሶን ሃይለ ኣብዚ ዝስዕብ መራኸቢ ኣቲና ንከታተሎ!
Follow ንምግባር ኣብዚ link ንጠውቕ፦
Kommentar hinzufügen
Kommentare