ጦብላሕታይ ብዛዕባ “ድንገት ኣብ ዓጋመት ምስ ንጣብ ካብ ዝኽርታት ወራር ባሕረ-ነጋሽ”

Veröffentlicht am 26. August 2024 um 16:25

ብማሕሙድ ሳልሕ

ሓጺር መለለዪ መጽሓፍ

ኣርእስቲ፦ “ድንገት ኣብ ዓጋመት ምስ ንጣብ ዝኽርታት ወራር ባሕረ-ነጋሽ”

ኣቃውማ፦ ክልተ ክፋላት

ቀዳማይ ክፋል ክሳብ ገጽ 208 ዝኸይድ ንመስዋእቲ ጅግና ኣብራሂም ዓፋን ብጾቱን ዘዘንቱ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል ድማ ሓጸርቲ ዛንታታት “ባሕረ-ነጋሽ” ዘካተተ እዩ። ዝስዕብ ጽሑፍ ነቲ ቐዳማይ ክፋል ይምልከት።

ግዝፊ፦ 499 ገጻት

ISBN፦ 978-91-989190-0-4 (ኣህጉራዊ መለለዪ ቚጽሪ ናይቲ መጽሓፍ)

ዕብየት ፊደላት፦ ብቐሊሉ ተነባባይ

ሀ) ዝግበኦ ሰብ ዝረኸበ ኸቢድ ዕዮ

1. ደራሲ ምስቲ ፍጻመን ምስ ቦታ ፍጻመን፡ ከምኡ እውን ብሓፈሽኡ ምስቲ እዋንን ምስቲ ኣብ ኣከባቢ ናይቲ ፍጻመ ዝግበር ዝነበረ መኸተ ኣንጻር ወራር ባሕረ-ነጋሽ እኹል ቅርበትን ኣፍልጦን ነይርዎ። ኣብ እዋን እቲ ፍጻመ ኣብቲ ኸባቢ ምስ ኣሃዱኡ ኣብ መኸተ ኣንጻር እቲ ወራር ተጸሚዱ ነይሩ። ንሱ ደኣ ሽዑ ኣይፈለጦን እምበር፡ እቶም ንኣብራሂም ዓፋን ብጾቱን ዝቐተሉ ወተሃደራት ምስ ተማረኹ፡ ብዓይኑ ዝረኣየን ብሰላምን ብጥዕነኦምን ናብ ወተሃደራዊ ስለያ ውድብ ክበጽሑ ተራ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ስለ’ዚ ነታ ስራሕ ክምርምራን ክጽሕፋን ዝኽእል ምዃኑ እንዳፈለጠ ግዜ ምኻዱ ዘተሓሳስቦ ነገር ምንባሩ ክግመት ይከኣል። 

2. ነቲ ኣብ ቀረባ ዝነበረን ብቐሊል ክዕደን ወይ ክብርበር ዝኽእል ዝነበረ ሓቅታት ናይ ኣሰዋውኣ ተጋዳላይ ኣብራሂም ዓፋን ብጾቱን ንኣስታት 40 ዓመታት ከይተቐርበ ምጽንሑ፡ ንመኰነን ሻባይ ከሻቕሎ ክነብር ትጽቢት ይግበረሉ። ነቲ ስራሕ ከዕውት ዝኽእል ሰብ ምንባሩ ምንም ዘጠራጥር ነገር ክነብር ኣይክእልን። ዓቕሚን ምህሮን ብቕዓት ድርሰትን ነይርዎ እዩ። ኣብ ስርሓቱ ንርእዮ ነይርና ኢና። ዝበዝሕ ስርሓቱ ምስ መርማሪ ጋዜጠኝነት (Investigative Reporting) ወይ ድማ ምስ ደኩመንታዊ ስርሓት ዝተኣሳሰር - ብመልክዕ ፊልምን ጽሑፍን ዝቀርብ - እዩ ነይሩ ። ኣብዚ መዳይ ሕጽረታት ከም ዘይነበሮ ብተደጋጋሚ ብስርሓቱ ኣመስኪሩ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ግዜ በሊዑ?  

ደራሲ መኰነን ሻባይ ብግስ ክብል እዩ ነዛ ሕቶ ናብ ወዲ ካሳ (ብ/ጀነራል) ሰው ዘብላ። “ስለምንታይ ግዜ በሊዑ” ኢሉ ይሓቶ። መልሲ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኣብቲ መጽሓፍ ኣለኩም። ቅቡል ድዩ ኣይኮነን መኰነን ንዓኹም ገዲፍዎ ኣሎ። ግን መኰነን ነዚ ስራሕ ናብ ዓወት ከብጽሖ ዝቕስቅሶ ሕልናዊ ድፍኢት ነይርዎ። ነቲ ሕልናዊ ድፍኢታት ናብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ድማ ዓቕሚ ነይርዎ። ተሪፍዎ ዝነበረ ምብጋስ እዩ። እቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዝተበጋገሰ መኰነን ኣብ መጽሓፉ ኣዘንትይልና ኣሎ።

ለ) ኣገባብ ምርመራዊ ስርሑ (methodology)

ሰነዳትን ቃለ መሕትትን ዘካተተ ኣገባብ እዩ ዝጥቀም።

ስርሑ ብኣርካይቭ እዩ ዝጅምሮ። ኣርካይቭ ጸላኢ ተዓቂብሉ ዘሎ ቦታ እዩ ዝበጽሕ። ኩሉ እቲ ብግቡእ ተሰኒዱ ዘሎ ኣርካይቫት ስርሒታት ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ደርግ ክፍትሽ ይብገስ። ይፍትሽ ድማ። ኣብ መወዳእታ፡ መስዋእቲ ኣብራሂም ዓፋን ብጾቱን ተወጢኑ ዝተበገሰ ዘይኮነስ፡ ናይ ድንገት ነገር ክኸውን ነይርዎ ናብ ዝብል ድልዱል ጥንሰ-ሓሳብ በጺሑ፡ ካብቲ እንዳ ስነዳ ይወጽእን ናብ ስርሑ ይብገስን። ስለምንታይ ናብዚ ዝተነጸረ ኣንፈት ከም ዝበጽሐ መኰነን ኣብ መጽሓፉ ነጊርና ኣሎ። ነዚ “ድንገት ኣብ ዓጋመት” ዝብል ጥንሰ-ሓሳብ ከረጋግጽ ነይርዎ።

ዝኾነ መጽናዕታዊ ስራሕ ብሕቶ ወይ ድማ “ብኸምዚ ክኸውን ይኽእል” ዝብል ዘይተረጋገጸ ግን ግምታዊ ሓሳብ እዩ ዝበጋገስ። እቲ ግምታዊ ሓሳብ፡ ከም ጥንሰ-ሓሳብ ወይ ድማ hypothesis ክውሰድ ይከኣል። ካብቲ ቤት ሰነዳት ወዲኡ ኽወጽእ ከሎ፡ መኰነን ኣንፈት መጽናዕቱ ንጹር ኮይኑ እዩ ዝብገስ። እቲ ነገር ናይ “ሃንደበት ወይ ናይ ድንገት ወደቃ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ጥንሰ-ሓሳብ ነጺሩ እዩ ተራእይዎ።   

ዝቕጽል ስራሕ ድማ ነዚ ጥንሰ-ሓሳብ ሓቅነቱ ምርግጋጽ እዩ ዝኸውን። እቲ ዝተነጸረ ጥንሰ-ሓሳብ ቅኑዕ ወይ ውዱቕ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ቅኑዕ ናይ ኣጸናንዓ እስትራተጂ ክሕንጽጽ ነይርዎ። ንኹሎም ነቲ ፍጻመ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ክእክብን ክትንትንን ኣለዎ። ድሕሪኡ ቅኑዕነት ወይ ውዱቕነት ናይቲ ዝምረሓሉ ዝነበረ ጥንሰ-ሓሳብ ክመዝን ይኽእል። ትንታነ ናይቶም ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ናብ ውዱቕነት እንተ ኣምሪሑ፡ ካልእ ጥንሰ-ሓሳብ ወይ ግምታዊ ሓሳብ ከበጋግስ ነይርዎ። ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ ዓይነታት ሓበሬታታትን ኣተኣኻኽበኦምን ኣተናትናኦምን ወሳኒ እዩ። ነዚ ዝምልከት ተክኒካት ኣሎ። ሻባይ ብግቡእ ዝተኸተሎ ምዃኑ ኣብ ውጽኢት ስርሑ ገሊሑ ይረአ።  

ኣብዚ ኽንጸር ዘለዎ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ መኰነን ኣብ 1985 ኣብ ወፍሪ ባሕረ-ነጋሽ ኣብቲ ቦታ ስለ ዝነበረ፡ ሱቕ ኢሉ ዝኽርታት ተወኪሱ ዝሃነጾ ዛንታ ከም ዘይኮነ እዩ። ካብ ስርሑ ብሩህ ከም ዘሎ፡ መኰነን ነቲ ጉዳይ ከም ሓደ ነቲ ዝጽናዕ ጉዳይ ብፍጹም ዘይፈልጦ ዝነበረ ኣጽናዒ ኾይኑ እዩ ዝተሓሓዞ። ሓቅታት ናብ ዝመርሕዎ ኽምርሽን ሓቅታት ዘስምሩሉ መደምደምታ ኽበጽሕን ቅሩብ ምንባሩ ኣብ ኣዛናትውኡን ኣብቲ ዝተወከሶም ምንጭታትን ይርአ። ግዜ ዝወሰደሉ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኩሎም ምንጭታት ሓበሬታ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ኽኾኑ ከለዉ፡ ኣብቲ ውዕሎ ዝነበሩ ሰባትን ሽዑ ንሽዑ ዝተሰነዱ ዶኩመንትታትን ዘካተቱ እዮም።

ዝተኻተቱ ምንጭታት፦

1. ካብቲ መጥቃዕቲ ንስክላ ዘምለጡ ተጋደልቲ ዝሃብዎ ቃል

2. ኣብቲ ሃድን ናይቶም ቀተልቲ ወተሃደራት ዝተሳተፉ ላዕለዎትን ማእከሎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ዝርከብዎም ተጋደልቲ ዝሃብዎ ስእላዊ ዝመስል ገለጻታት

3. ዝተማረኹ ቀተልቲ ወተሃደራት ዝሃብዎ ቃልን ብኣካል ኣብቲ ቦታ ፍጻመ መጺኦም ዝሃብዎ መብርሂታትን

4. ጸብጻባት ኣካላት ውድብ

ሐ) ኣገዳስነት ናይ’ዚ ስራሕ

ክሳብ ሕጂ፡ መስዋእቲ ኣብራሂም ዓፋ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ክለዓል ንሰምዕ ኢና። ብዙሓት ወገናት ንእስታት 40 ዓመታት ነዚ ጉዳይ ክነግዱሉ ጸኒሖም። ሓደ ክልተ ገዳይም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ከይተረፉ፡ ንሓቂ ጸኒዖም ደው ኢሎም ነቲ ጉዳይ ግቡእ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝህቡሉ፡ ዘሓጥሓት ክብሉን ንፋስ “ተቓወምቲ” ከጋፍዖምን ርኢና ኢና። ዘሕዝን እዩ።

ብወገነይ ክርእዮ ከለኹ፡ መጽሓፍ መኰነን ክልተ ኣገደስቲ መምዘኒታት ክትሓልፍ ነይርዋ።

1. ኣብራሂም ዓፋን ብጾቱ መን ረሺንዎም?

ነዚ ሕቶ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝምልስ ሓቅታት ተረኺቡ’ዶ? ዓይነቱ ኸ ከመይ እዩ?

2. እቶም ሓቅታት (facts) እንተተረኽቡ ኸ፡ ንዕኦም ናብ ሚዛናዊ ኣእምሮ ዘለዎም ነበብቲ (reasonable readers) ብዝግባእ ቀሪቡ’ዶ?

ኣብዚ፡ እቲ ኣገዳሲ፡ ሕጂ እውን “እዚስ ተሰኒዑ እዩ” ዝብሉ ኣይክሰኣኑን እዮም። ስእልታትን ወተሃደራዊ ቝጽርታትን ቃላትን ናይቶም ቀተልቲ ወተሃደራት ተሰኒዱ ኣሎ። ግን ክኣምን ዕጭ ዝሓንፈፈን ዝተለኮተን ሓንጎል፡ ቦምባ ንዩክሌር ጌርካ እንተ ኣናወጽካዮ እውን ክኣምን ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ።

እቲ ወሳኒ ነገር፡ ስዉእ መኰነን ኪዳነ ነቶም ሚዛናዊ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት እኹል መልሲ ሒዙ ቐሪቡ ኣሎ። ዕላምኡ ንዝጥርጥሩ ንኸእምን ዘይኮነስ፡ ነቶም ሓቅታት ዝደልዩ ሰባት ሓቅታት ምቕራብ እዩ ዝመስል።

መ) ኣተሃናንጻ ዛንታ

እቲ ዛንታ ብመሳጢን ዳይናሚካዊን ኣገባብ ተሃኒጹ ኣሎ። ናብ ፊልም ክቕየር ዝተቀረበ ስራሕ እዩ። ምስ ጀመርካዮ፡ ከይወዳእካዮ ዘይገድፈካ ኣገባብ ኣዛናትዋ እዩ።

ሃንደበትነት ናይቲ ብግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝወፈረ ወራር ባሕረ-ነጋሽ፡ ነቲ ውድብ ብሓፈሻ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ክ/ሰራዊት 70 ድማ ብፍላይ፡ ናብ ጠገለ ዝሰኣነ ገልጠምጠም እዩ ኣእትይዎ። ብፍላይ ነቲ ብዔላ ጻዕዳ ዝመጸ ጸላኢ ቅልጡፍ መልሲ ዝሃበ እቲ ብኣብራሂም ዓፋ ዝምራሕ ዝነበረ ክፍሊ ታዕሊም ውድብ እዩ ነይሩ። ዓለምቲ ቅልጡፍ ምውዳብ ገይሮም ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተቐይሮም ናብቶም ገዛእቲ ቦታታት ተጓይዮም። ኣብራሂም ዓፋን ብጾቱን ድማ ነቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ከወሃህድ ናብ ጎቦ ዓጋመት ይድይብ።

ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 70 ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ (ጀነራል) ኣብ ጎቦ ዛግረ ኮይኑ፡ ኣብራሂም ዓፋ ኣብ ጎቦ ዓጋመት፡ ሮመዳን መሓመድኑር (ዋና ጸሓፊ ውድብ)፡ ጴጥሮስ ሰለሙን (ኣባል ፖ/ቤ/ጽ)፡ ዑቕበ ኣብርሃ (ኣባል ፖ/ቤ/ጽ)፡ ኣብርሃ ካሳ (ብ/ጀነራል) (ሰክረታርያት) ኣብ መኣዘዚ ቦትኦም ኣብ ጎቦ ኣንጀታይ ኮይኖም፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (ም/ዋና ጸሓፊ ውድብ) ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ይረኣዩኻ። ሓደስቲ መስመራት ምክልኻል ከነጽሩን፡ ኣሃዱታት ክኣኻኽቡን ከተኣሳስሩን፡ ሰንሰለት እዝታት ክምስርቱን ዘርእይዎ ቅልጡፍ ምትዕጽጻፋትን ህዱእ ምርድዳኣትን ዘገርም እዩ።   

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ፖለቲካዊ ኮሚሳር ክፍሊ ታዕሊም ጅግና ገረ ጀጎም ንኣባላቱ ወዲቡ፡ ንጎቦ ዓጋመት ሃጂሙ ንሬሳታት ስዉኣት ብጾት ካብ ጸላእቲ መንጢሉ፡ ነቶም ቀተልቲ ንምብራቓዊ ወገን ናብ ካሚን ሓይልታትና የጽድፎም። ንዕኦም ንምሓዝን ነቲ ኣብ ኢዶም ዝወደቐ ምስጢራዊ ሰነዳት ውድብ ንምምላስን ዝግበር ጭርጭር ናይ ገዛእ ርእሱ ዛንታ እዩ። ገረ ምስ መሪሕነት ዘካይዶ ዝነበረ ምውህሃድ ስራሕ ኣገዳስን ዝድነቕን ኮይኑ ንረኽቦ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዝነበረ ወፍርታት ባሕረ-ነጋሽ ንምውህሃድ ተጸሚዶሞ ዝነበሩ፡ መስዋእቲ ኣብራሂም ዓፋ ምስ ተነግሩ፡ ስርሖም ተዓጻጺፉን ተሓላሊኹን። ነቲ ኹነታት ኣብ ቍጽጽር ንምእታውን ምስጢር ንምዕቃብን ነቶም ብጾት ብኽብሪ ንምቕባሮምን ዝግበር ምውህሃድ ናይዞም ላዕለዎት መራሕቲ ኣድኒቐዮ። ከቢድ ሓዘን፡ ግን ፍጹም ህድኣት ዝነበሮ መስርሕ ኢና ንርኢ።

ብሓፈሽኡ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ ነይሩ። እቶም ናብ ጎቦ ዓጋመት ዝደየቡ ወተሃደራት ጸላኢ መን ከም ዝቐተሉ ከይፈለጡ እዮም ተታሒዞም። ብዓይነቶም እውን ንስለያን ንፍሉይ ስርሒታትን ዝተዓለሙ ኣይመስሉን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብራሂም ዓፋን ሻንበል መብራህቱን፡ ክልተ ምኩራት ወተሃደራውያን ዓለምቲን መራሕቲን ክንሶም፡ “ከመይ ገይሮም እዮም ነታ ቐዳመይቲ ወርቃዊት ወተሃደራዊት ሕጊ ረሲዖም … ማለት፡ ከመይ ኢሎም እዮም ዋርድያ ከየውጽኡ ደቂሶም?” ዝብል ሕቶ ክመጸኒ ግድን ነይሩ። መኰነን ሻባይ ብመጠኑ መልሲ ኣለዎ።

ኣጠቓሊለ ኽርእዮ ከለኹ፡ መኰነን ንኡድ ስራሕ ገዲፍልና ሓሊፉ ኣሎ። እሞ ኸኣ ምስቲ ዝነበሮ ናይ ጥዕና ኹነታት ክርአ ኸሎ ዝያዳ ኣድናቖት ዘትርፍ እዩ።

ጀነራል ብዘይጠቅም ይቕተል ይበሃል። ፍጻመ ዓጋመት ህያው እዩ።

ክብሪ ንሰማእቲ ኤርትራ!

ማሕሙድ ሳልሕ



ስዉእ ስነ ጥበበኛን ተመራማርን ደራስን መኰነን ኪዳነ መላኺ (ሻባይ) 

31 ታሕሳስ 1964 -  29 ሰነ 2024 

ስነ ስርዓት ቀብሪ ስዉእ መኰነን ኪዳነ (ሻባይ) ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ 

23 ሓምለ 2024 


ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ እተነበ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ስዉእ ተጋዳላይ መኰነን ኪዳነ (ሻባይ) ኣብዚ ዝስዕብ ይርከብ፦   

1ይ ክፋል (ገጽ 5 ርአ)፦  http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_26072024.pdf


መጽሓፍ “ድንገት ኣብ ዓጋመት ምስ ንጣብ ዝኽርታት ወራር ባሕረ-ነጋሽ” ብዕለት 11 ጉንበት 2024 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብወግዒ ከም እተመረቐት ይፍለጥ። ብዛዕባ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብዚ ዝስዕብ ኣቲኻ ኽንበብ ይከኣል።      

https://www.eritreische-stimme.de/blog/1820446_ein-abend-mit-einem-aussergewoehnlichen-buch-aus-eritrea

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.