
ካብ "ሕብራዊት ብርዒ" (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ) እተወስደ
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓደ ዓቢ ክፋል ህይወት ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ብዓቢኡ ምስ’ቲ እንጥቀመሉ ግዜ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ልክዕ ከምቲ ክልተ ዝብልሑ ሴፍ እዩ። ብኸመይ ትጥቀመሉ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ውልቃዊ ህይወትካ ብዘይ ገደብ ምክፋል፦
ኩሉ ዝምድናታትካ፡ መዓልታዊ ምንቅስቓሳትካ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝርጋሕ ኣድላዪ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ናብ ከምዚ ቦታ ይገይሽ ኣለኹ፡ ኢልካ ኣብ እትዝርግሓሉ፡ ብዙሕ ሰብ በቲ ጽቡቕ ነገር ክሕጎስ ይኽእል ይኸውን። ምንቅስቓሳትካ ተኸታቲሎም ገዛኻ ክዘምቱኻ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ግዳ ዘይምዝንጋዕ። እቲ ምንታይሲ፡ ማሕበራዊ ሚድያ ከም’ቲ ጽቡቕ ጎድኒ፡ ኣሉታዊ ጎድኒ እውን ዘለዎ ብምዃኑ።
ንኽብርኻ ዘጒድል ክዳን ተኸዲንካ ምዝርጋሕ፦
ዝዀነ ሰብ ደስ ዝብሎ ክዳን ክኽደን ናጽነት ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ ዘይስነምግባራዊ ክዳን ተኸዲንካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሕ ግን ክብርኻ ዘጕድል እዩ። ዘይናቶም ስእሊ ዝዝርግሑ ሰባት ከምዘለዉ’ውን ዘይምዝንጋዕ። ንኣብነት፡ ኣብ ውራይ ከም መርዓን ካልእን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣከዳድና ምስ ትኽደን፡ እቲ ቪድዮ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ናብ ኩሉ ስለ ዝዝርጋሕ ኩሉ ሰብ’ዩ ዝዕዘበካ። እዚ ጸገም’ዚ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ብብዝሒ የጋጥም እዩ። ኣሉታዊ ጽልዋ ድማ ኣለዎ። ካብቲ እናጸደፍካ ከለኻ ዘድሕነካ ሰብ እቲ ንኽስእለካ ዝጓየ ይበዝሕ። ሰብ ንኽስእል እዩ ዝጓየ።
ንሰባት ብመንነቶም፡ ብዝቕመጥሉ ቦታን ኣተዓባብያኦምን ምውቃስ፦
ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣናዋጺ ዝዀነሉ እዋን ኣሎ። ምውቃስ፡ ጸለመ፡ ምግናንን ካልእን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርኣዩ ልሙዳት ተርእዮታት እዮም።
ምብኻን ግዜ፦
ኣገዳሲ ክፋል ናይ ህይወትካ ምብኻን እዩ። ዝጻረፉ፡ ዓሌትነት ዝሰብኩ፡ ጽዩፍ ኣሳእል ዝዝርግሑ፡ . . . እዞም ኩሎም ተደሚሮም፡ ብዜካ’ቲ ግዜኻ ዘባኽንዎ፡ ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ርጉእነትካ እውን ጽልዋ ኣለዎም።
ወልፊ፦
ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ዘለዎም ሓላፍነት ዕሽሽ ብምባል፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ከሕልፉ ይኽእሉ። እዚ ወልፊ’ዚ ድማ ሕጽረት ኣፍራይነት፡ ጭንቀትን . . .ወዘተ ከስዕብ ይኽእል።
ሕጽረት ብኣካል ምርኻብ፦
ማሕበራዊ መራኸቢታት እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ፡ ሰባት ብኣካል ናይ ምትእስሳር ዝንባለኦም እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ዓሚቝን ትርጉም ዘለዎን ዝምድናታት ኣብ ምምዕባል ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ማሕበራዊ ተነጽሎ፦
ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰባት ምስ ካልኦት ብቐሊሉ ንኽራኸቡ ክገብሮም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ናብ ማሕበራዊ ተነጽሎ እውን ከብጽሕ ይኽእል እዩ። ሰባት ዝያዳ ግዜኦም ኣብ ኢንተርነት ከሕልፉ ስለ ዝኽእሉ፡ ናብ ስምዒት ጽምዋን ማሕበራዊ ተነጽሎን ይቃልዑ።
ምውድዳርን ቅንእን፦
ማሕበራዊ መራኸቢታት መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንነብሶም ምስ ካልኦት ከነጻጽሩ ስለ ዘተባብዕ፡ ስምዒት ቅንእን ዘይዕግበትን የስዕብ። እዚ ድማ ጭንቀትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ከስዕብ ይኽእል።
ምንጪ፦
ብሃተሚካኤል ዕቝባስላሴ ካብ እትዳሎ ዓምዲ ሕብራዊት ብርዒ (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ መበል 34 ዓመት ቁ. 47፡ 25 ጥቅምቲ 2024 - ገጽ 4) እተወስደ ጽሑፍ
Kommentar hinzufügen
Kommentare