
ድምጺ ኤርትራውያን ሽወደን (Gothenburg) ምስ ኪኢላ ስነ ልቦናን ርእሰ መምህርን ናይ ትሕተ ዕድመን ህጻናትን ከምኡ’ውን ኣላይን ኣማኻርን ተሓጋጋዝን ዝኾነ ኣቶ ኣብርሃም ተኪኤ ዝርርብ ኣካይዱ ኣሎ።
ኣቶ ኣብርሃም ተኪኤ ብህጻንነቱ ካብ ኤርትራ ወጺኡ፡ ኣብ ጀርመን ዝዓበየን ዝተማህረን ኮይኑ፣ ምስ ቈልዑን መንእሰያትን ወለድን ናይ 10 ዓመት ናይ ስራሕ ልምድን ተመኵሮን ዘሎዎ በዓል ሞያ እዩ። ካብ’ዚ ሃብታም ተመኵሮን ሞያዊ ፍልጠትን ብትሕትና ምኽርታቱ ኣካፊልና ኣሎ።
- ስለ ምንታይ ቈልዑ ካብ ወለዶም ይውሰዱ ወይ ይምንጠሉ፧
- ኣብ ስደት ተወሊድካ ኣብ መንጎ ኽልተ ባህልታት ምዃን ከመይ ይመስል፧
- ቈልዑ ካብ ወለዶም እንታይ ይደልዩ፧
- ምስ ደቅና ዘሎና ኣዘራርባ ከመይ እንተ ኾነ ይሓይሽ፧
- ...
እዝን ካልእን ዝኣመሰሉ ነጥብታት ይትንክፎምን ይዛረበሎምን እዩ። ብቕልል ዝበለ ኣዘራርባ ሞያዊ ምኽሩን ማዕዳኡን ኣካፊልና ኣሎ። ብፍላይ መንእሰያት ወለዲ፡ ኣብ ስደት ቈልዑ ወሊድኩም ተዕብዩ ዘለኹም ተገድሰኩም እያ! ተገድሰክን እያ!
ንግዱሳት ነካፍል!
Kommentar hinzufügen
Kommentare