መቐጸልታ ናይ'ቲ ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ዶ ኾን ይኸውን?

Veröffentlicht am 7. November 2024 um 21:08

ልኡኻት ሳጥናኔል ከንብብ ከለኹ ስሚዒተይ ክቈጻጸር እኽእል ኣይነበርኩን። እነብዕ … ንምንታይ ንዓና እዚ ዅሉ? ንምንታይ እያ ዓለም ንመከራ ትፈርደና? ኣዝዩ ዓሚቝ ዝኾነ ጽልኢ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራዉያንን ንምንታይ እዩ? ሰላም ክህልዋ ዘይተደልየ ንምንታይ እዩ? ጕዳጓድና ኽፍሕሩ ድቃስ ዝስእኑ? … ኣብ ርእሰይ እዚ ዅሉ ሕቶታት ከናውጸኒ ጀሚሩ።

ሓላዊና ኣይተታኽሰን። ኣብ’ቲ ንሳልሳይ ጊዜ ዝተፈተነ መቐጸልታ “ባቢሎን”፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምጥፋእ፡ ታሪኽና ንምድምሳስ ምዕራፍና ኽዛዝሙ፡ ተላባዒ ሕማም ምእታዉ፡ ዕግርግር ምፋጣር ዝነበረ ዕላምኡ፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ሳላ ኣቦታትና ኣያታትና ብኽሳራ ኸም ዝብርዕን ኮይኑ እዩ።

ጸሓይና ምስ በረቐት ደኣ፡ ኣብ ዲያስጶራ ኣብ ነንሕድሕድና ዋጭ ዋጭ ዘብለና ዘሎ እንታይ እዩ?

ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን መልክዖምን ሕብሮምን ብኸመይ ቀይሮም ይሰርሑ አለዉ?

ኣብ ነንሕድሕድና ብሰላምን ፍቕርን ፍልልያትና ጽባቔና ምዃኑ ኣሚና ተኸባቢርና ኸይንነብር፡ ኣብ መንጎና ብኸመይ እዮም ህውከት ዘእትዉ ዝብል ሕቶ ኽንምልሶን ክንነቕሓሉን ዘሎና ናይ ኵልና ሓላፍነት እዩ።

ዓለም ሎሚ ብቴክኖሎጂ (technology) ማዕቢላ ብሓንቲ ቛንቛ ኣብ እትዛረበሉ ዘላ እዋን፡ ንሕና ብኣውራጃን ብሃይማኖትን፡ ኣብ ገለ እዋናት’ውን ብልጭ ዝብል ብኸባብን ምሕሳብን ምዝራብን እንታይ ስለ ዝተደልየ እዩ?

ክንዲ ኣብ ናይ ፍቅሪ መኣዲ ዓሲልካ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ምስራሕ፡ ጕጅለታት እንዳፈለኻ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ከ ንምንታይ ኣድለየ?

እዚ ዅሉ በብውልቅና ክንነቕሓሉ፡ ንዓና ረብሓ ከም ዘይብሉ ኣስተብሂልና ኣብ ገዛእ ርእስና ክንሰርሕ ይግባእ። ብዓቢኡ’ውን ዕዩ ገዛ ኣሎና! ኣብ ናብራ ስደት ኣብ ዘዘለናዩ ሃገር ከመይ ጌርና ዘምጽኣና ንሰርሕ። ባህልና ዓቂብና ምስ ባህሊ ናይ’ተን ዘለናየን ሃገራት ከመይ ጌርና ንኸይድ። ኢንተርነት ቀሪብልና ዘሎ ዕድላት ብኸመይ ኣብ ዕቤት ገዛእ ርእስና ንጥቀመሉ። …

ካብ “ማሕበራዊ መራኸቢታት” ወጺና ስሚዕትና ንምለኽ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎው ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ እቶም ንዓና ዝመስሉ ደቂ ሃገር ከነለሊ ንከባበር ንሰማማዕ።

ሸዊት ሕሩይ

07.11.2024

Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.