
ህሉው ኵነታትና ከመይ ይመስል፧
- ንህሉውን ንመጻእን ወለዶ ብዙሕ ዕድላት ዝፈጥር፡ ባዕልና እንውንኖ ማእከል የድሌና።
- ብሓባር እንራኸበሉን፡ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉን፡ ብሓባር እንዓብየሉን ማእከል የድሌና።
- ከም ማሕበረ-ሰብ ሓድነትና እነደልድለሉ፡ ሓባራዊ ስምዒትን ርድኢትን እንዅስኵሰሉን እነስፍሕፍሓሉን ማእከል የድሌና።
- ደቅናን መንእሰያትናን ዕብየቶም ዘደንፍዕሉ፡ ውሑስን ደጋፍን ሃዋህዉ ዝፈጥርሉ ማእከል የድሌና።

ማእከል ባህልን ንጥፈታትን ክትከል
ኢደይ ኢድካ ንበል!
ብሓባራዊ ትካል ንሓባራዊ ዕብየት!
ደንበ-ኣፍሪቃ ሓባራዊ ትካል (Genossenschaft) ኮይኑ፡ ንማሕበረ-ሰብና ዘገልግል ማእከል ባህልን ንጥፈታትን ክዉን ንምግባር፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ኣባላት ማሕበረ-ሰብና ዝሓትት ፕሮጀክት ኣበጊሱ ይርከብ። ዘሐብን ታሪኽናን ያታናን፡ ከም እንፈልጦ፡ ብውልቂ ዘይከኣል ብሓባር ከም ዝከኣል እዩ ዝምህረና። ኵልና ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ እንበኣር በብዓቕምና ብርኪ ዓዲግና ኣብ ፕሮጀክት ደንበ-ኣፍሪቃ ብምክፋል፡ ብሓባር እንውንኖ ሓደ ማእከል ባህልን ንጥፈታትን ክንስርትን ክነቝምን መድረኹ ኣኺሉ እዩ። ናይ ባዕልና ህንጻ ምዕዳግን ምውናንን፡ ማሕበራዊ ሽግርና ጥራይ ኣይኮነን ዝፈትሕ፡ ከም ማሕበረ-ሰብ ፋይናንስያዊ ዓቕምና’ውን ዘዕብን ዘሓይልን እዩ።
ዕላማን መደብን ደንበ-ኣፍሪቃ
- ዕላማ ሓባራዊ ትካል ደንበ-ኣፍሪቃ ቝጠባዊ ዂነታት ኣባላቱ ምምዕባልን ምትብባዕን ይኸውን።
- መደብ ደንበ-ኣፍሪቃ ህንጻ ብምዕዳግን ሓደ ባህላዊ ማእከል ብምክያድን፣
ሀ) ባህልታትን ቋንቋታትን ኤርትራ ምዅስኳስ፣
ለ) ብዛዕባ ታሪኽን እዋናዊ ዂነታትን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸምኡ’ውን ናይ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ምቕራብ፣
ሐ) ስልጠናታትን ሰሚናራትን በዓላታን ውራያትን ዝካየደሎም ክፍልታት ንኻልኦት ግዱሳት ኣካላት ምክራይ፣
መ) ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘሎ ምቅርራብን ምርድዳእን ንምዕማቚን ንምስፍሑን ዝዳለዉ በዓላትን ኣጋጣሚታትን መካየዲ ኽፍልን ኣዳራሽን ድሉው ምግባር፣
ሰ) ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ኻልእ ኣገልግሎት ንምክያድ ቅሩብ ምግባር ይኸውን። …
ኣካላት ደንበ-ኣፍሪቃ

ሓፈሻዊ ኣኼባ
- ብዅሎም ኣባላት ዝቘመ ዝለዓለ መዝነት ዘሎዎ ኣካል
- ብዛዕባ ኣገደስቲ ጒዳያት ትካል ውሳነታት ዝሓልፈሉ ኣካል
- ቦርድ ተቛጻጸርት ዝመርጽ ኣካል
- ጸብጻባ ቦርድ ኣመሓደርቲ ተዛትዩ ዘጽድቕ ኣካል
ቦርድ ተቛጻጸርቲ
- ብሰለስተ ዝቖመ ተቛጻጻሪ ኣካል
- ንቦርድ ኣመሓደርቲ ዝመዝዝ ኣካል
- ንጥፈታት ኣመሓደርቲ ዝከታተልን ዝቈጻጸርን ኣካል
ቦርድ ኣመሓደርቲ
- ብሰለስተ ዝቖመ ኣመሓዳሪ ኣካል
- ንጥፈታት ትካል ዘመሓድርን ዘካይድን ኣካል
- ዓመታዊ ፋይናንስያዊ ጸብጻብ ንሓፈሻዊ ኣኼባ ዘቕርብ ኣካል

ብሓባራዊ ትካል ንሓባራዊ ዕብየት!
ንብርኪ ዝምልከት ሓጺር መብርሂ
ዋጋ ሓደ ብርኪ ክንደይ እዩ፧
- 500 ዩሮ (500 Euro)
ኣባል ንምዃን ክንደይ ብርኪ ምዕዳግ የድሊ፧
- ኣባል ንምዃን እንተወሓደ ሓደ ብርኪ ምዕዳግ ግድን የድሊ።
ካብ ሓደ ብርኪ ንላዕሊኸ ምዕዳግ ይከኣል ድዩ፧
- እሂናይ ደኣ! ካብ ሓደ ብርኪ ንላዕሊ ምዕዳግ ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕላማ ፕሮጀክት ደንበ-ኣፍሪቃ ብዝቐልጠፈ ክዉን ንምግባር’ውን እነተባብዖን እንጽበዮን ኣድማዒ ኣበርክቶ እዩ።
ዝኽፈል ናይ ብርኪ ገንዘብ ናበይ ይኣቱ፧
- ዝኽፈል ናይ ብርኪ ገንዘብ ኣብ ሓደ ብሕጋዊ ጠበቓ ዝተሓዝን ዝመሓደርን ሕሳብ-ሕድሪ (anwaltliches Treuhandkonto) እዩ ዝኣቱ፧
እዚ ሕሳብ-ሕድሪ እንታይ እዩ፧
- ነጻ ዝኾነ ሕጋዊ ጠበቓ ዘመሓድሮ ሕሳብ ባንኪ ትካል (Konto) ኮይኑ፡ ገንዘብ ትካል ኣብ ዘይግቡእ መዓል ከም ዘይውዕል ብሓላፍነት ውሑስ ዝገብር ወግዓዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ እዩ።
ብዛዕባ ገንዘብ መን እዩ ዝውስን፧
- ኣብ ደንበ-ኣፍሪቃ ዝለዓለ ናይ ምውሳን መዝነት ዘሎዎ ብዅሎም ኣባላት ዝቖመ ሓፈሻዊ ኣኼባ ስለ ዝኾነ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ኣወዓዕላን ገንዘብ ትካል ሓፈሻዊ ኣኼባ ጥራይ እዩ ዝውስን።
ኣባል ምዃን እንታይ ጥቅምን ረብሓን ይህልዎ፧
ብርኪ ዓዲግካ ኣባል ደንበ-ኣፍሪቃ ምስ እትኸውን፡
- መርዓ፡ ጥምቀት፡ ሓዘን፡ ኣኼባ ናይ ዝካየደሉ፣
- ቋንቋ ኣደ ናይ እነምህረሉ፣
- መንእሰያትና ናይ ዝዘናግዕሉን ካልእ ንጥፈታትን ማእከል ተጠቃሚ ኢኻ ትኸውን።
ፕሮጀክት ህንጻ ማእከል ደንበ-ኣፍሪቃ

ማእከል ባህልን ንጥፈታትን ክንፈጥር
ሓቢርና ገንዘብና ነውፍር!
ኣድራሻ፦
Franz-Werfel-Straße 43
60431 Frankfurt a. M.
ኢመይል፦ info@africa-house-eg.com
መርበብ ሓበሬታ፦ www.africa-house-eg.com
ኣካየድቲ፦
ዲርክ ፎገልዛንክ (Dirk Vogelsang)
ኣማን ክብሮም መብራህቱ
ፍትሓዊ ሃብተ
ውልቃዊ መንነት ኣባላት ብዝምልከት ኣብ ትካልና እንእክቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሓፈሻዊ ሕጊ ስትረት (DSGVO) ውሽጣዊ ሕጊ ኣብ ዝእዝዞ ዕላማ ጥራይ ከም እንጥቀመሉን፡ ንዘይምልከቶ ሳልሳይ ወገን ከም ዘይንህብን፡ ካብ ኣባልነት ድሕሪ ምስንባት ከም እንድምስሶን ነረጋግጽ።
ደንበ-ኣፍሪቃ (AFRICA HOUSE e.G)
ኣብ ደብተር ማሕበራት ምዝጉብ ዝኾነ ትካል
ቤት-ፍርዲ ኸባቢ (Amtsgericht) ፍራንክፈርት
ቍጽሪ መዝገብ፦ 8265
Kommentar hinzufügen
Kommentare