Projekt AFRICA HOUSE e.G. / ፕሮጀክት ደንበ-ኣፍሪቃ

Veröffentlicht am 30. November 2024 um 16:21

Hallo zusammen,

wir möchten euch diese freudige Nachricht mitteilen:

Hurra, wir haben es geschafft! Unsere Genossenschaft ist nun offiziell im Amtsgericht Frankfurt eingetragen.

Vielen Dank für eure Geduld und Unterstützung.

Am 08.12.2024 werden wir um 14:00 bis 18:00 Uhr eine große Veranstaltung organisieren und euch darüber informieren.

Wir laden dich herzlich ein, im Rahmen dieses genossenschaftlichen Veranstaltungsprogramms für Interessierte bzw. zukünftige Mitglieder im Africa House eG. zu investieren.

    ደንበ የድሌና

    • ባዕልና እንውንኖ ማእከል፡ ንህሉውን ንመጻእን ወለዶ ብዙሕ ዕድላት ዝፈጥር ደንበ የድሌና።
    • ብሓባር እንራኸበሉን፡ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉን፡ ብሓባር እንዓብየሉን ደንበ የድሌና።
    • ሓድነትና እነደልድለሉ፡ ከም ማሕበረ-ሰብ ሓባራዊ ስምዒትን ርድኢትን እነስፍሕፍሓሉ ደንበ የድሌና።
    • ደቅና ዕብየቶም ዘደንፍዕሉ፡ ውሑስን ደጋፍን ሃዋህዉ ዝፈጥርሉ ደንበ የድሌና።

    -> ስለ’ዚ ነዚ ዘድሌና ደንበ ኽዉን ንምግባር፡ ኢደይ ኢድካ ንበል።

    ወፍርና ንደንበ-ኣፍሪቃና …

    ከም ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ጸገማትና ባዕልና ክንፈትሕ፡ ዕብየትና ባዕልና ኽነውሕስ ነውፍር። ሎሚ ንዕብየትናን ንብራኼናን ኢንቨስት ንግበር። ጽባሕ እንጥቀመሉን እንረብሓሉን ሃዋህዉ መታን ክንፈጥር። 

    • መርዓ፡ ጥምቀት፡ ሓዘን፡ ኣኼባ እነካይደሉ፣ 
    • ቋንቋ ኣደ እነምህረሉ፣
    • መንእሰያትና ዝዘናግዕሉ ቦታ ... ምርካብ እዩ።

    ህንጻ ደንበ-ኣፍሪቃ ምግዛእ፡ ማሕበራዊ ሽግር ጥራይ ኣይኮነን ዝፈትሕ፡ ፋይናስያዊ ዓቕምና’ውን ዘዕቢ እዩ።

    ብሓጺሩ ሓቢርና ንዕበ ኢና ንብል ዘለና።

     

    መዓልቲ ሓበሬታ    

    ንዕለት 08/12/2024 መደብ ኣዳሊና ኣለና።

    ትሕዝቶ መደብና፦ 

    • ምቕባል ዕዱማትና 
    • ምልላይ ትካል ደንበ-ኣፍሪቃ  
    • ክፉት ዘተ ምስ ዕዱማትና 

    ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ኵሉም ዝግደሱን ዝግደሳን ኣብ ምዝርጋሕን ምክፋልን ንተሓጋገዝ።   

    Bekanntgabe der Eintragung von Africa House  

    ትካል ደንበ-ኣፍሪቃ ብወግዒ ከም እተመዝገበ ዘበስር ሓበሬታ (ብቛንቋ ትግርኛ) 


    ኣድራሻ፦

    Franz-Werfel-Straße 43
    60431 Frankfurt a. M. 

    ኢመይል፦ info@africa-house-eg.com

    መርበብ ሓበሬታ፦ www.africa-house-eg.com

     

    ኣካየድቲ፦

    ዲርክ ፎገልዛንክ (Dirk Vogelsang)

    ኣማን ክብሮም መብራህቱ

    ፍትሓዊ ሃብተ

    Kommentar hinzufügen

    Kommentare

    Es gibt noch keine Kommentare.