ኣቕራቢት፦ Fouzia Mounsif-Amsiouji / ኣዳለውቲ፦ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ፍራንክፈርትን ከባቢኣን

Einladung zur Infoveranstaltung und Aufklärung zum Thema Medien im Kindesalter, Resilienz für Erwachsene und Resilienz für Kinder.
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መድያን ጽልውኡን ተጽዕኖኡን፡ ብፍላይ ኣብ ቈልዑ ዘተኰረ፡ ሓበሬታ እንረኽበሉን ንቕሓትና እነበርኸሉን እዋናውን ኣገዳስን መደብ ተዳልዩ ኣሎ።

ዕለት፦ 07.12.2024
ሰዓት፦ 15:00 - 17:00
ቦታ፦ SAALBAU NIED
Heinrich-Stahl-Straße 3
65934 Frankfurt a.M
መጓዓዚ
1ይ ኣማራጺ፦ ካብ ሃውፕት ባህንሆፍ ስትራሰን ባን (Straßenbahn) ቍ. 11 ወይ ቍ. 21 ናብ ግሪስሃይም / ኒድ ኪርሸ ኣንፈት ዝጕዓዛ ሒዝኩም ኣብ ደው መበሊ Luthmerstrasse ክትወርዱ እንከልኹም ብማዕዶ ፊት ንፊትኩም ዘሎ ብሕጡብ ዝተነድቀ ህንጻ ስኣልባው (Saalbau) እዩ።
2ይ ኣማራጺ፦ ካብ ሃውፕትባህንሆፍ S1 ናብ ቪስባደን (Wiesbaden) ወይ S2 ናብ ኒደርንሃውሰን Niedernhausen ዝጕዓዛ ብድሕሪት ተሰቒልኩም ብምጕዓዝ ኣብ ካልአይቲ ደው መበሊት ኣብ ኒድ (Nied) ወሪድኩም ንድሕሪት ቁሩብ መንገዲ እግሪ ብምኻድ በታ ጸባብ ቢንቶ ኣቢልኩም ኣብታ ቦታ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም።
Kommentar hinzufügen
Kommentare