
Saba Tewelde (Injera Soul). Click below to see Saba performing on a stage in Poland.
ኣብ ታሕቲ ጠዊቕና፡
"ኣፍሪቃ ተስፍኣ ብደቃ" ንርኣያ ወ ንስመዓያ!
ኣፍሪቃ
ጓል ዓቢ እንባ ወሓዚት ሩባ
ፍሽኽታ ዘይፍለያ ገርሂ ዝኾነ ልባ
ግርማ ዝዓሰላ ናይ ተፈጥሮ ኽብሪ
ርኢኻ ዘይትምኖ ቦኽሪ ውላድ ፈጣሪ
ትበኪ ዘላ ትነብዕ ኣፍሪቃ
ተስፋኣ ኻባና ካብ’ቶም ደቃ
መፍቶ ሓላፍ መገዲ ’ቶም በዓል ሽላ
በስናኖም ዝስሕቑ እናረኣዩ ምስላ
ከብዶም ዝመልኡ እናለሓሱ ቝስላ
ኣብ ጎልጎል ወዲቓ ዘልዕላ ዘይብላ
ትበኪ ዘላ ትነብዕ ኣፍሪቃ
ተስፋኣ ኻባና ካብ’ቶም ደቃ
ድምጻዊት ሳባ ተወልደ (Injera Soul, 2012)
© ግጥሚ ዘወራሲ (lyrics, 2004)
Kommentar hinzufügen
Kommentare