
ካብ ብርዑ ዝፈልፈለ
ኣብ ውዕለት (ኮማ)
እንሆ! ምስ ኣተኻዮ ዘይትወጾ፡ ገና ኽትሪኦ ኸለካ ጨካን ዝመስል ሰፊሕ ናይ ካንሸሎ ኣፍ ደገ በጻሕኩ። ጽቡቕ ነገሩ ብየማን ጸጋም ናይቲ ቐጽሪ ዓይንካ ኽንዲ ዝክኣሎ ምስ እትጥምት ለጥ-ሰጥ ዝበለ ናይ ሳዕሪ ቦታ እምበር፣ እሾኸ፡ ኮሮት፡ ዶንጎላ ብጌጋ እኳ ኣይረኣይን። ግን እዚ ጸጥትኡ ዘፍርሕ ቀጽሪ ናይ መን እዩ? ስሙኸ መን ይበሃል? ኣብ የማነ-ጸጋም ናይቲ ማዕጾ ካብ እምኒ ኣብ ዝተሰርሐ ዓንዲ ጽግዕ ኢለ ምስ ተመልከትኩ፣ ሃሳስ ጽሑፍ ተራእየኒ። እርጋን ጽቡቅ ጌሩ ሃስዩዎ እዩ። ይኹን እምበር ይንበብ እዩ። ብናይ ሂብሩ ቓላት “ገነት” ይብል። ኣነ ሂብሩ ቃላት ኣይፈልጥን እየ። እቲ ጽሑፍ ገነት ከም ዝብል ብኸመይ ክርዳእ ክኢለ? እዚ ድማ ንዘበናት ዘይተፈትሐ ምስጢር ክከዉን ይኽእል።
ኣነ ቕድሚ ናብዚ ቐጽሪ ምምጽአይ ክንደይ ሰባት መጺኦም ይኾኑ? “ገነት” ዝብል ጽሑፍከ ዝኾነ መዋቲ ኸም ዝርድኦ ዶ ተገይሩ ይኸዉን? ናብቲ ሰፊሕ ማዕጾ ተጸጋዕኩ። ንምንኵሕኳሕ ኣይተሃወኽኩን። ሩግዱ ዓሰርተ ሰንቲመተር ዝኸዉን፡ እርጋን ጽቡቅ ጌሩ ዘድቀቖ ጸሊም ማዕጾ ኣብ ምንታዩ ይንኵሕኳሕ? ግን ካብ ምንኵሕኳሕ ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን፣ ኣንኳሕኳሕኩ። ዝኾነ ዝተፈጠረ ድምጺ ኣይነበረን። እንተኾነ ብቕጽበት እቲ ማዕጾ ተራሕወ። እዚ ድማ ኻልኣይ ጥበብን ረቂቕ ሚስጢርን ምዃኑ እዩ። ብትኽከል ስሙ ዘይንፈልጦ ኣምላኽ ኣብዚ ግቢ ዉሽጢ ይነብር ማለት ድዩ? ኣብ ክልተ ስምዒት ተቐርቀርኩ። መጀመርታ ሰለስተ ንኣሽቱ ደቀይ ገዲፈ ብሙማተይ ሓዘን ይብርብረኒ ነበረ። እቲ ኻልኣይ ድማ እንተ ደለየ ብውግእ፡ ደስ እንተ ኢልዎ ብጥምየት ዘንከራትተና ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስል ክፈልጦ ብጣዕሚ ተሃንጥየ ነይረ። ብተቓራኒ ስምዒታት ብተወጠርኩላ ደቂቕ፡ እቲ ኣፍ ደገ ተኸፍተ።
ዕድሚኡ ብግምት ኣብ ዒስራታት መፋርቕ ዝኾነ መንእሰይ ብፍሽኽታ ተቐበለኒ። ንፈለማ ጊዜ ግን ሓደ ነገር ኣስተውዓልኩ፣ እቲ መንእሰይ ስጋ የብሉን። ርእሰይ ምስ ጠመትኩ ኣነ’ዉን ለካ ስጋ የብለይን። ቅርጺ ኣሎኒ፣ ኢድካ ብኢድካ ኽትንክፍ ምስ ትፍትን ግን ኣይከኣልን። ናይ ስጋ ቦታ ሓመድ እዩ፡፡ ሓጺር፡ ነዊሕ፡ ጸሊም፡ ቀይሕ፡ ፍሽኽታ፡ ሸጥ መዓንጣ፡ ጸዋግ፡ ጕልቡት ኣካላትን ሎቕመጽመጽን ዝኣመሰሉ ምድራዊ ኣድናቖትን ምድራዊ ጽላኣትን ምስ ስጋ ኣብ ክሻ ተጠቕሊሉ ጕድጋድ ክኣቱ ኸሎ፣ መንፈስ እንዳ ኣንሳፈፈ ናብቲ ንዘበናት ዝነበረ ጸሊም ማዕጾ ይኸይድ።
“እንቋዕ ብደሓን መጻኻ!" በለኒ እቲ መንእሰይ።
“እንቋዕ ብደሓን ጸናሕካ!” በልክዎ፡፡
ግን ብምንታይ ቋንቋ ተዘራሪብና? ብሳባውያን ወይስ ብሂብሩ? ብፐርሽያ ወይስ ብሂንዱ? ብኣራቢክ ወይስ ብግሪክ? ነዚ ንምፍላጥ ዝኸውን ንቕሓት ኣይነበረንን። ግን ድማ ንቕሓት ከም ዘይብለይ ብምንታይ ፈሊጠ? እሓስብ ኣለኩ፣ እዘራረብ ኣለኩ። ስጋ እንተ ዘይብለይ፣ ዓጽሚ እንተ ዘይብለይ፣ ቅርጺ ግን ኣሎኒ፣ ድምጺ’ዉን ኣሎኒ፡፡
እቲ መንእሰይ መሪሑ ወሰደኒ። ምስ ወድአ ኣብ ጽላል ሓንቲ ገረብ ገደፈኒ፡፡ ኮፍ ዝበልኩ ኣይመስለንን። ኣብ ኣየር ከም ዓለል-ፈለል ኣብ ኣየር ዘንሳፍፍ ዝነበርኩ ይመስለኒ። ኮፍ ንኽትብል መቐመጫ የድሊ። መቐመጫ ድማ ኣብ ምድሪ ተሪፉ እዩ። እዚ እናሰላሰልኩ ከለኹ፡ ሓደ መንእሰይ ሰብ መጸ። እዚ ዕድሚኡ ካብ መፋርቕ ዒስራታት ኣይሓልፍን እዩ፡፡ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ኣንሳፈፈ።
“ከመይ ኣለኻ?”
“ደሓን እየ።”
“ሰባት ከመይ ኣለው?”
“በዓል መን?” ክብል ምስ ሓተትክዎ።
“ንስካ ዝመጻኻዮ ቦታ ማለተይ እየ።”
"ይዋግኡ ኣለዉ።"
"ኣይወድኡን ተዋጊኦም?"
መልሲ ከይመለስኩ ተመሊሰ ሕቶ ሓተትክዎ፡ "መን ኢኻ ንስኻ?”
ብቐጥታ መለሰለይ፡ “ኣነ ኣምላኽ እየ።"
“ከመይ ኢሉ ይኸዉን?"
“እንታይ?”
“መንእሰይ ኣይኮንካን ዲኻ?”
“ኣብዚ ገነት ሽማግለ የለን። ህጻን’ዉን የለን፡፡ ሽምግልናን ህጻንነትን ናይ ስጋ ጥራይ እዩ።”
“ዝተጻሕፈ ከምዚ ኣይኮነን።”
“እንታይ እዩ ተጻሒፉ?”
“ብዙሕ እዩ ተጻሒፉ ስለ ኣምላኽ። ንስኻ ናይ መን ኣምላኽ ኢኻ?”
“እንታይ ማለትካ እዩ?”
“ካቶሊክ ኣሎ፡ ሙስሊም፡ ተዋህዶ …።”
“እዚ ናይ ቤተ ሰብ ኣኼባ እዩ። ናይ ቆቢዕ ቅርጽን ሕብርን ጥራይ እዩ ዝፈላልዮም።”
ብዝሓየለ ድምጺ ሓተትክዎ!
“ንስካ ኣምላኽ እንተ ዄንካ፡ ንምንታይ ዉግእ ደው ዘይተብሎ?”
“ክዋግኡ ስለ ዝደለዩ እዮም ዝዋግኡ፡፡ እንተ ዘይደልዩ ነይሮም ኣይምተዋግኡን።”
“ብምስለይ እየ ፈጢረዮም'ዶ ኣይበልካን?”
“ውግእ ዝፈትዉ ሰባት ብምስለይ ዝተፈጠሩ ኽኾኑ አይክእሉን እዮም። ኣብዚ ገነት ዜርካ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ዝዋጋእ የለን።”
“ሲኦል ኣበይ እዩ?”
“ሲኦል ዝበሃል የለን። ሰባት ካብ ስጋኦም ምስ ተፈላለዩ ናብዚ ይመጹ፡፡ ምስ መጽኡ ብሓጐስ ስለ ዝምልኡ፡ ኣብ መንፈሶም ካልእ ክፉእ ሓሳብ የብሎምን።"
“ገበን ዝገበሩኸ?"
“ገበኖም ምስ ስጋኦም ኣብ ምድሪ ይቕበር።”
ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣዕለልና። ብሰፊሕ ካብ ዘዕለለኒ ቐንዲ ጉዳያት ሓደ ከብዲ ነበረ። ናይ ገበን ምኽንያት ዝኾነ ከብዲ ምዃኑ ኣርጊጹ ነገረኒ፡፡ ኣብ ገነት ከብዲ ዘሎዎ የለን፡፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ወድ ሰብ ኣብ ዘዕለልናሉ ናይ ዲዛይን ሽግር ከምዘሎዎ ተዛረበ። ተደኒቐ ኣጥቢቐ ምስ ሓተትክዎ፡ “ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ምብላዕ ኣይመድለዮን። ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳእ ምኣኸሎ ነይሩ።” በለ።
“ንስኻ እንዲኻ ፈጣሪ፡ ስለምንታይ ዘይተዐርዮ?” ኢለ ሓተትኩዎ።
“ጸራሪግካ ምጥፋኦም ምሓሸ” በለኒ ከም ዋዛ።
“ክሳዕ ክንድኡ?” ኢለ ወጨጭኩ።
"ኣዕዋፍን አራዊትን ይሕሹ።"
ንሓደ ሰዓት ዝኣከል ኣዕለልና። እቲ ዕላል ኣብ ምውድኡ ኣብ ዝመሰለሉ፡ ኣምሪረ እቲ ቐንዲ ጉዳይ ኣልዓልኩሉ።
“ስለምንታይ ቀቲልካኒ?”
"ኣነ ኣይቀተልኩኻን።"
"መን ደኣ?"
"እንድዒ?"
“ሰለስተ ቆልዑት ኣለዉኒ። ንደቀይ ክብል ክነብር እደሊ ነይረ።''
“አይ! መጺእካ እንዲኻ'ሞ።” በለኒ።
"ምስ ዝሞተ ዅሉ ዲኻ ተዕልል?"
“ነኖእ እየዕልልን እየ። ምስ ዘይኣምኑኒ ጥራይ እየ ውሑድ ዘዕልል።"
“ምስ ዝኣምኑኻኸ ንምንታይ ዘይተዕልል።"
"ልመና የብዝሑ እዮም። እምነቶም ናይ ልቢ ኣይኮነን።'' ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዕላል ኣፋነወኒ። ነቲ መዓጾ ዝኸፈተለይ መንእሰይ ጸዊዑ ብትሕትና ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ።
"ኣዛውሮ!"
ወሰደኒ'ሞ፡ ኣብቲ ጫካ ምስ በጻሕና ደው በለ። ቆሎ-ጥጥቖ ኣየብዘሐን። ከምዚ ኢሉ ህይወት ገነት ኣረደኣኒ።
“ምስ ጊዜ ልብኻ ብደስታ ይምላእ። ሰባት ይኹኑ እንስሳታት ኵሎም ኣብዚ ኣለዉ። ስጋ ስለ ዘየለ፡ ናይ ቦታ ጽበት የሎን።"
ኣብ ገምገም ሩባ ንኽንደይ ዝኸውን ጊዜ ኣይተረደኣንን፡፡ ዝተባህለኒ ደስታ ኣብ ክንደይ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ልበይ ከም ዝመልእ ኣይተነግረንን። 'ምስ ጊዜ' ክንደይ ሰዓት እዩ? ወይ ክንደይ ኣዋርሕ? ክንደይ ዓመታት?
ናይ ድቃስ ስምዒት ኣይነበረንን። ናይ ምስልቻው ነገር'ውን ኣይነበረንን። ኣብ መንጎ ግን ደቀይ ትዝ ይብሉኒ እሞ፣ ብናፍቖት እሳቐ። በዚ መልክዕ ብልክዕ ንኽንደይ ዝኣክል ከም ዝጸናሕኩ ክሓስበሉ ዝኽእል መንገዲ ኣይነበረንን፡፡ መዓጾ ዝኸፈተለይ መንእሰይ መጺኡ ሒዙኒ ናብ ኣምላኸ ከደ። ኣምላኽ ድማ ከምዚ በለኒ፣
“ክትምለስ ትደሊ ዲኻ?”
“እወ እደሊ፣ ደቀይ...”
ንኽንደይ ዝኣክል ከም ዝጸናሕኩ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፣ ኣዒንተይ ኣብ ዝኸፈትኩሉ መልሓሰይ ደሪቑ ነይሩ። ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ AGA KHAN UNIVERSITY HOSPITAL ICU ከም ዘለኹ ተረዳእኹ። ኣብ መንጎ እቶም ዝኸበቡኒ ዶክተር ተስፋ ኣብ ጎድነይ ደው ኢሉ ነበረ። ብሃሳስ ድምጺ ከምዚ ኽብል ሰማዕክዎ፣
"ብሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር ከይዱ ነይሩ።"
ተፈጸመ።
ብድንገታዊ ሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ 24 ታሕሳስ 2021 ኣብ ሃገረ ኬንያ ካብዛ ዓለም ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሞት ተፈልዩ። ኣብ መቓብር ሓዝሓዝ ድማ ብዕለት 30 ታሕሳስ ፈተውቱን ቤተ ሰቡን ኣብ ዝተኣከብሉ ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ፡፡ ሎሚ ድማ መበል 3ይ ዓመት ዝክር ንምብዓል ኣብዚ [ኣስመራ፡ ኤርትራ] ተኣኪብና ኣለና። ተስፋዬ ገብረኣብ ኣብ ህይወቱ ብዝጨበጦ ዓቢ ዓወትን፡ ንሃገሩ ዝገበሮ ኣበርከቶን ወትሩ ኣብ ልቢ ዅሉ ኤርትራዊ ይነብር ኣሎ፡፡
ምንጪ’ዚ ጽሑፍ Yonan Pros ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ይርከብ፦
https://www.facebook.com/yonan.pros.3/posts/1653987772192773?ref=embed_post
ብተስፋይ ገብረኣብ ዝተደርሱ
- ያልተመለሰው ባቡር - 1996
- ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ (ናይ ሓባር)
- የቡርቃ ዝምታ - 2000 (ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ከም Silence of the Burqa ብዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ፡ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከም ስቕታ ቡርቃ (?) ብዳኒኤል ሃብተማርያም፡ ናብ ቋንቋ ኦሮሞ ድማ ብቃጄላ ማርዳሳን ኣባ ጫላ ላታን ተተርጒማ።)
- እፍታ (ናይ ሓባር - 5 ቅጽታት)
- የቢሾፍቱ ቆራጦች - 2001
- የጋዜጠኛው ማስታወሻ - 2008 (ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከም መዘክር'ቲ ጋዜጠኛ ብጸሓፍቲ ኣሉላ ፍስሃየን ፍጹም ዑቕባሚካኤል ወድዓዴን 2010 ተተርጒማ)
- የደራሲው ማስታወሻ - 2010
- የስደተኛው ማስታወሻ - 2013
- የጀሚላ እናት - 2014
- የኑረነቢ ማህደር - 2017 (ብዳኒኤል ሃብተማርያም ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከም ማህደር ኑረነቢ 2018፣ ብደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ከም The Nurenebi File 2021፣ ብደራሲ ሰሎሞን በርሀ ናብ ቋንቋ ትግርኛ 2024፣ ብጋዜጠኛ ሱሌማን ዑስማን ዐቤ ድማ ናብ ቋንቋ ትግራይት ከም ዝሕረት ኑረኣልነቢ 2024 ተተርጒማ)
- ጃንሆይ እና ደርግ - 2018
- የቲራቮሎ ዋሻ - 2019 (ብደራሲ ሰሎሙን በርሀ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከም ብዓቲ ትራቮሎ 2021 ተተርጒማ)
- ቀይ ዘመን - 2022 (ብደራሲ ሰሎሞን በርሀ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከም ደማዊ ዘመን 2024 ተተርጒማ)

ንዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ጋዜጠኛን ደራስን ተመራማርን ተስፋይ ገብረኣብ ከምኡ’ውን "ደማዊ ዘመን" ተባሂላ ብደራሲ ሰሎሞን በርሀ ናብ ቋንቋ ትግርኛ እተተርጐመት "ቀይ ዘመን" ዘርእስታ መጽሓፉ ንምምራቕ ዝተኻየደ ምሉእ መደብ ኣብ Erilink ይርከብ፦
“ኵሉ ሰብ ዝምነዮ ነገር ዕድመን ጥዕናን ክወሃቦ እዩ። ኣነ ሕጂ 50 ዓመት መሊአ ኣለኹ። ክሳብ 60 ዝረግጽ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክንደይ መጽሓፍቲ ኽጽሕፍ'የ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ እቲ ዘሎኒ ሓሳብን እቲ ዕድመን ኣይመጣጠንን እዩ።”
ተስፋይ ገብረኣብ
28 ነሓሰ 1968 - 24 ታሕሳስ 2021
Kommentar hinzufügen
Kommentare