
ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ በዓል ኮምፕላስዮኒ፡ "ኣብነታዊ ኤርትራዊ" ዝብል ኒሻን ክወሃቦ ይግባእ። ነዚ ብጻይ (ናይ ብሓቂ ኸኣ ብጻይ ክበሃል ዝከኣል ሰብ እዩ) ብኣካል ኣይፈልጦን እየ። ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ (እንሻላህ) ብመጀመርታ ኽረኽቦ ዝደሊ ዝነበርኩ ሓው እዩ። ግን ሓሊፉ ኣሎ። ንጅግና ህንጻ ዝግባእ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኸኣ ተገይርሉ ኣሎ። ይግበኦን ፈረቓን። ግን ከም ኵሉ ተመሳሳሊ ፍጻመታት፡ እቶም ሰባት ምስ ሓለፉ እንዶ ኾይኑ።
ኣብ ጕዕዞ ህይወት ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ (unsung heroes) ዝበሃሉ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ግንዖን ሽልማትን ሓለፋታትን ወይ ንመጎስ ዝጽበዩ ዘይኮኑስ፡ ግቡኦም ፈሊጦም ኣብ ዕማማቶም ኣተኲሮም ዝጓዓዙ እዮም። ብዙሕ ዘረባታትን ዋዕዋዕታን ክገብሩ ኣይረኣዩን። ንህቡብነት ውልቆም ዘይኮነስ ንራህዋ ህዝቦምን ብጾቶምን ዝውፈዩ እዮም። ድምጾም ኣይስማዕን። ኣይረኣዩን። ኣብታ ዓውዲ ስርሖም ምስ ወፈርካ ጥራይ ኢኻ ትርእዮም። ኣብኡ እውን ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ይጸንሑኻ። እቲ ረሃጾምን እቶም ዝተገታተሩ ጅማውቶምን ናይ ስራሕ ዩኒፎርምኦምን እዩ ምስክሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣይረኣዩን። ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ብዙሕ ኣይግደሰሎምን እዩ። ምኽንያቱ ዋዕዋዕታ ዘለዓዕሉ ኣይኮኑን። ትጉሃትን ትኵራትን ኣገልገልቲ ህዝቢ እዮም። ውጽኢታት ስርሖም እዮም መሰኻኽር ጻዕሮም። ስርሖም እዩ መግለጺ መንነቶም። ሳልሕ ኣሕመዲን ሓደ ካብዞም ሰባት እዩ ነይሩ።

ስዉእ ሳልሕ ኣሕመዲን ንበጻሕቲ ዲጋ መግለጺ እናሃበ
ሳልሕ ኣሕመዲን ነቶም ኣኻውሕ ግሬቶን፡ ዓገትን፡ ሕመድ ደቤላን፡ ብደሆን፡ ጽርግያ ጥሩቕሩቕ-ዓየትን ጽርግያ ሸንኮለትን ኢሮታን ባቕላን ሮራ መንሳዕን ... ዝፈንቀሉ ጀጋኑ ኣባላት ህንጻ ህዝባዊ ግንባር የዘኻኽረኒ። እቶም ቀዳሞት ኣያታቱ ተጋደልቲ ኣባላት ህንጻ እውን ኣይተዘመረሎምን። ናታቶም ብደሆታት ኣይተዘንተወን። 50% ግደ ናይ ሓርነታዊ ቃልስና ምሃብክዎም ነይረ። ኣበይ ኣለዋ/ኣበይ ኣለዉ እቶም ምልእቲ ለይቲ ምስ ኣኻውሕ ዝጋጨዉ ዝነበሩ ጀጋኑ? ኣበይ ኣለዉ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲን መዳፍዕን ኣብ ትሕቲ ህሮርማ ጸሓይን ጸፍዒ ንፋስን ማይን ነቲ ህንጻዊ ተኣምራታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ህንጻ???
ሰራዊት ብዘይ ሎጂስቲክስ ኲናት ከካይድ ኣይክእልን። ናፖልዮን ቦነፓርተ ብልክዕ ከም ዝገለጾ፡ "An army marches on its stomach"፡ ማለት ሰራዊት ብኸብዱ እዩ ዝግስግስ። ሰራዊት ክዋጋእ እንተኾይኑ ኽበልዕ ኣለዎ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ንመግቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመናውራዊ ምንቅስቓስን ምጕዕዓዝን (maneuverability/mobility) እውን ይምልከት እዩ።
ሰራዊት ክገማጠል እንተኾይኑ ናይ ግድን ስሉጥ መጓዓዝያ የድልዮ። ናይ ምግምጣልን ምትዕጽጻፍን ተኽእሎ ናይ ሰራዊት በቲ ንደገፉ ዝዳሎ ናይ ጽርግያታት ሰኪዔታት (networks) ይውሰን እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ተኣምራት ዝሰርሐ ተኣምራታዊ ህንጻዊ ስርሓት ዘሳልጡ ኣባላት ጨንፈር ህንጻ ስለ ዝነበሩ እዩ። ኣበይ ኣለዉ እዞም ሰባት? ኣብ ሚድያታት ኣይንርእዮምን። ብኣንጻሩ ኣባላት ዜና ብኣልማማ ሕማም ሕጽረተ-ራኢ (myopia) 'ዶ ተጠቒዖም ኮይኖም?
ግንባራት ክድምሰስን ወራራት ክፈሽልን ይዝንቶ እዩ። እቶም ለይቲ ምሉእ ኣብ ሓደገኛ ጽርግያታት ሓጎግ ክብሉ ዝሓድሩ ዝነበሩ ጀጋኑ ኣውቲስቲ ብዙሕ ክዝንተወሎም ኣይንርኢን። ኣበይ ኣለዉ? እቶም ነቶም በዳህቲ ጎቦታትን ተረትን ሩባታትን ጨዳዲዶም ግምባራት ከም ዝተኣሳሰሩ ዝገበሩ እንዳ ህንጻ ከምቲ ዝግበኦም ኣይዝየመሎምን እዩ። ዘይሰሓቢ ወይ sexy ስለ ዘይኮነ ድዩ?
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘሎኒ ምረት መጽሓፍ እውን ኣይኣኽሎን እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ተኣምራታዊ ዕማም ሓርነታዊ ቃልሲ ብዓወት ክዛዘም ካብ ዘብቅዕዎ ኣገደስቲ ናይ ደገፍ ኣሃዱታት ጨንፈር ህንጻ እዩ ነይሩ። ሽሂድ (ስዉእ) ሳልሕ ኣሕመዲን ድማ ነቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ኣባላት ጨንፈር ህንጻ ሻዕብያ የዘኻኽረኒ።
ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ጽርግያ ዓገት ብተዓላሞ ኽስራሕ እንከሎ እየ ንሜዳ ወሪደ። ናይ መጀመርታ ጽርግያ እዩ ነይሩ ናይ ዓገት። ብኣፍራዛን ባዴላን እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ኣኻውሕ መታን ክሰባብሩ፡ ብመጀመርታ ኣጉናድ ኮሚሮም ሓዊ ይኣጉዱሉ። ድሕርኡ ዝሑል ማይ ይኽዕዉሉ ነይሮም። ሽዑ ብመለኪኖ ይፍንቅልዎ። ህዝባዊ ግንባር ወናኒ ኣማእት ዓበይቲ ማሺነሪታት ከይኮነ ከሎ እዩ። ደሓር እሞ ጨንፈር ህንጻ ዘመናዊ ማሺነሪታት ክዓጥቕ ጀሚሩን ሰፊሑን።
ኣብቲ ግዜ እቲ መካይን እውን ኣይነበራን (ምናልባት ክልተ ዝኾና'ዶ ነይረን ይኾና?)። ግን እቲ ውድብ ራኢ ነይርዎ። ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ከኣ ብ1977፡ ካብ ጸላኢ ዝተሰልባ መካይን ንሳሕል ከዕለቕልቓ ጀሚረን። ራኢ ከምኡ እዩ። ራኢ ግን ኣተግበርቲ የድልዮ። እንዳ ህንጻ ህዝባዊ ግንባር መስረትቲ ናይቲ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝዓጠቖ ወኒ ስራሕን ተወፋይነትን እዮም ነይሮም። ግን ከምቲ ዝግበኦም ከይተዘየመሎም ሓሊፎም ኣለዉ። ሕጂ እውን ዝኽርታቶም ክብርበር ኣለዎ። ዝኽርታት ናይቶም ዘይተዘየመሎም ጀጋኑ። ዛንታ ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ዘይተዘየመሎም ጀጋኑ።
ናይዚ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ሚድያታት ናይ ኤርትራ ዝከታተል ወጻእተኛ ይኹን ንኡስ ወለዶና፡ ፍሉጣት ብልጭታታትን ምስልታትን ናይ ዝተወሰኑ ሰባትን ፍጻመታትን ክደጋገም ምስ ረኣየ፡ ከመይ ኢለ እየ ኤርትራ ዓዲ ኣሽሓት ጀጋኑ ምዃና ከእምኖ ዝኽእል? ከመይ ኢለ እየ እቲ ተኣምራታዊ ዛንታ ኤርትራ ብተበግሶን ብኣእምሮን መስዋእትን ናይ ኣሽሓት ኣስማቶም ዘይጥቀስ ጀጋኑ ኽዉን ከም ዝኾነ ከእምኖም ዝኽእል? ክሕሰበሉ ኣለዎ።
ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ደያስፖራ ኣብ ጠቕሚ ኣልቦ ቘይቊን ምምልላሳትን ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋናት፡ ኣብዚ ኣንነትን ረኣዩለይን ሰፊንሉ ዘሎ ዘመን፡ ኣብዚ ደቂ ሱሳ ኸይተረፉ ናብ ቍልዕነት ዝምለሱሉ ዘለዉ ሕኑኽን ብልሹውን እዋን፡ ከም በዓል ሳልሕ ኣሕመዲን ዝኣመሰሉ ዜጋታት ድንቂ ኣዘኻኸርቲ ናይቲ ቅኑዕ ምስሊ መንእሰይ ኤርትራ እዮም። ሰብ ግብሪ ዝኸብሩሉ ዘመን ክሰፍነልና እንዳ ተመነኹ፡ ንቤተ ሰብን ፈተውትን ስዉእ ሳልሕ ኣሕመዲን ብሓፈሽኡ እውን ንዅሎም ፈተውቲ ኤርትራ ሓዘነይ እገልጽ።
ማሕሙድ ሳልሕ
ምንጪ ጽሑፍ፦ https://www.facebook.com/mahmud.hamed.148/posts/2513978832141925?ref=embed_post
ኣቶ ማሕሙድ ሳልሕ ነዛ ዓንቀጽ ኣብ "ድምጺ ኤርትራውያን ጀርመን" ኽነውጽኣ ምፍቃዱ ልዑል ምስጋናና ይብጸሓዮ!
Kommentar hinzufügen
Kommentare