
ዕለት 03/02/2025
ሰዓት 10፡30
ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርበሉ ሰዓት እናቐረበ’ዩ።
ቈጸራይ ሰዓት 10፡30 ቅድሚ ቐትሪ’ዩ። ኣቐዲመ ሰዓት 10፡00 ግን ክርከብ ኣሎኒ። ምኽንያቱ ምስ ጠበቓይ ክዘራረብ ስለ ዘሎኒ። ከም ቈጸራይ ድማ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ምስ ጠበቓይ ተራኸብኩ። ቍሩብ ኢሂን ምሂን ተበሃሂልና፡ ተመራሪሕና ኣብ ኣፍ ደገ ብሰብ ጸጥታ ድሕሪ ምፍታሽና፡ ናብ ውሽጢ’ቲ ዓቢ ቤት ፍርዲ ኽንኣቱ ሓበሩና። ካብ’ተን ብዙሓት ክፍልታት ናብ’ታ ኽንኣትዋ ዘሎና ናብ ሓንቲ ዓባይ ክፍሊ ኣምራሕና። ኣድራሻ ኣብ ወረቐትና ተጻሒፋ ብምንባሩ’ውን፡ ብዘይ ምድንጋርን ምሕታትን ኣብ ኣፍ ደገ’ቲ ኽፍሊ ኽሳብ ሰዓትና ዝኣክል ደው በልና።
ኣነን ጠበቓይን ብቤት ፍርዲ ዝተጸውዐ ተርጓማይን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢልና ኣለና። ጠበቓይ ናባይ ቅርብ ኢሉ ሕሹኽ ክብለኒ ጀመረ። “ምስ ኣተና ጀሚርና ኽሳዕ ንውድእ ብጭቅ ኢልካ ቃል ከይተውጽእ” በለኒ። ኣነ’ውን ዘረብኡ ተቐቢለ “ሕራይ!” በልኩዎ። ብዘይካ ምቕባል’ውን ካልእ ዝግበር ኣይነበረን። ጠበቓይ ጕብዝንኡን ግርምኡን ምስ’ቲ ራስታ ጸጕሪ ርእሱን ከደራይ ሕብሪ ቆርበቱን ርኢኻ ጠበቓ’ዩ ኽትብሎ ኣየድፍረካን። ደጋዊ ትርኢቱ ምስ ረኣኻ፡ ስፖርታዊ ወይ ድማ ደራፋይ ናይ ሂፕ ሆፕ ክትብሎ ትደፍር።
ቤት ፍርዲ ካብ ዝመላለስ መቸም ውሑድ ኣይገበርኩን። ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ - ፈራዳይን ተሓጋጋዚቱን ጸሓፊትን ኣኽባሪት ሕግን - ኵሎም ካብ ምድግጋም ዳርጋ ናብ ቤተ ሰበይ ገጾም ጸርዮም ኣለዉ። ከም’ዚ ጥምት ኣቢልካ ኣበይ’የ ዝፈልጦ ትብሎ።
ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢልና ከለና፡ ንኽልቴና ዝስሕብ ትርኢት ረኣና። ቆው ኢልና ጠመትናዮም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዝፍረደሉ ኣፍ ደገ ደው በሉ። ነዒንትና ኽስሕባ ዝኸኣላ፡ እዞም ኣብ ጥቓና ደው ዝበሉ ሰባት ምሉእ መሳርሒታት ናይ ካሜራ’ዮም ኣንጠልጢሎም ኔሮም። ጽግዕ ኢለ “እዚኦም ደኣሞ ብላይቭ እንድዮም ከሕልፉዎ ዝዳለዉ ዘለዉ” በልኩዎ። ኣስዕብ ቢለ’ውን “ከምኡ ይፍቀድ ድዩ፧” ሓተትኩ። ወዮ ጠበቓ ንሕቶይ ከይመለሰ፡ ትኽ ኢሉ ናብኦም ብምኻድ ሕቶኡ ኣቕረበሎም። ንሳቶም ድማ ናባና ምዃኖም ሓበሩዎ። በዚ ደው ኣይበለን። ምስኦም ኣብ ክትዕ ኣተወ። “ንዓሚለይ ክትስእሉዎ ኣየፍቅድን’የ” በሎም። ንሶም ነዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ኽስንድዎ ኸም ዝተላእኹ ሓበሩዎ። “ጽቡቅ፡ በሉ ገጹ ከይትስእልዎ” በሎም። ንሶም ድማ “ሕራይ” በሉዎ። ስለ ዘይኣመኖም ግን፡ ፋይል ኣውጺኡ ገጸይ ሸፊኑ መሪሕኒ ናብ ውሽጢ ኣተወ።
ኣቲና ነዒንተይ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ለኣኽክወን። ፈራዳይ ምስ ተሓጋጋዚቱ፡ ቍሩብ ፍንትት ኢላ ጸሓፊት፡ ቍሩብ ርሕቅ ኢላ ኣብ ፊተይ ድማ ኣኽባሪት ሕጊ፡ ብጸጋመይ ድማ ተዓዘብቲ ነበሩ። ኵላትና ንምጅማር ተዳለና። ፈራዳይ እሕሕሕ ኢሉ ጐረሮኡ ጸራሪጉ ዘረባ ጀመረ። ክስታተይ ድማ በብሓደ ኸንብቦም ጀመረ።
ካብ ዝገረመኒ፡ እቲ ብደቂ ወዶገባን ደቂ ሚልሻ ስርናይን ዝቐረበ ኽስታት ምግራመይ’የ ወዲአ። እቲ ዝንበብ ዝነበረ ኽስታት ብቐጥታ ኣብ ኣእሙሮይ ዝመጹ ጋንጊስተራት ከዘኻኽረኒ ጀመረ። መትሓዚ ዘይነበሮ ማፍያ ኣሌክስ ብጓሉ ዝተታሕዘ፡ ፓብሎ ኤስኮባር፡ ኤል ቻፖን ካልኦትን። ብጌጋ ደኣ ንዓይ ኣቕሪቦምኒ፡ ናይ ካልእ ጋንጊስተር ከይከውን ኢለ ኽሳብ ዝጠራጠር ኮንኩ። (…)
ሓደ ኢሉ ኽሲ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝጅመር፡ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ቍሩብ ናይ ሕጊ ኣፍልጦ ዘለወን ኣብ ጀርመን ዝዓበያ ኤርትራውያን ክሳብ ዝኽእልኦ ተቓሊሰናለይ። በቲ ዝኽልኦ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስአን ዝዓበዩ ጠበቓታት እናሓተታ ጽዒረን። መወዳእትኡ ግን ናብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ምስ ሓለፈ፡ ልዕሊ ዓቕመን ኮይኑ ዝፈልጥኦ ጠበቓ ሓቢረን፡ ጕዳየይ ንኽከታተሎ ተላብየን ኣረኪበንኦ። እቲ ብኤርትራውነተይ ዘዅሩዓኒ፡ ብትሒም ትሒም ዝሰምዑዎ ጕዳየይ፡ ኣነ ዘይፈልጦም ኤርትራውያን ናይ’ዚ ኻልኣይ ጠበቓ ዳርጋ ዅሉ ኸፊሎሞ ተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። (…)
ፈራዳይ ደው ኢሉ፡ ወረቓቕቱ ኣዳልዩ ኽስታተይ ክዝርዝር ጀመረ። ወይ ዝፈስስ ዝነበረ ኽሲ ንሓደ ናይ ጋንግስተር ሓላፊ ዝምልከት እምበር፡ ንዓይ ዝምልከት ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ጸኒሑ’ውን ቴለቪዥን ተወሊዓ ምስለይ ኣብኡ ረኸብኩዎ። እስክንድር ክዛረብ ጀመረ። “ፈስቲቫልና ዓጽዮም ወፍሪ ውግሮ ኽገብሩ ኣየፍቅድን” በልኩ። ብርግጽ ንመጀመርያ ጊዜ፡ እስክንድር ኣብ እኩብ ህዝቢ ኣብ ማእከል ቤት ፍርዲ እናተዛረበ፡ እክንድር’ውን ብኣካል እዕዘብ ኣለኩ።
ብድፍርናይ …
ሕርቃን …
ኣብ ህዝበይን ሃገረይን ዘሎኒ ፍቕሪ …
ስምዒት …
ድርቅና …
ትብዓት …
ኵሉ ብምሉኡ ኣብ ቴለቪዥን ተዓዚበዮ ዀሪዐ። እምበረ መጠን ኰሪዐ። ብዕላማ ዝኣምነሉ ብመትከል ኣጽኒዐዮ፡ ንሃገርካን ህዝብካን ማእሰርቲ ኣይኮነን ክሳድካ ትስየፈሉ። ብውሽጠይ’ውን ኵርዓት ተሰማዓኒ። ብስምዒት ድማ ኣኽመስመስኩ። ኣብ ፊተይ ዝነበረት ኣኽባሪት ሕጊ’ውን ስምዒታተይ ንምንባብ ደጋጊማ ትዕዘበኒ ከም ዝነበረት ኣስተብሃልኩ።
ብዛዕባ ጠበቓይ ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ሕቡን ኤርትራዊ’ዩ። ፈራዳይ ክዛረብ ጠበቓይ ክምልስ ተረባሪቦም። ጠበቓይ ላፕቶፑ ኸፊቱ፡ ዘይተጸበኽዎ ናይ ደርበይቲ እምኒ ኸም ጭብጢ ኣቕሪቡ። ንሳቶምን ኣነን ሰማይን ምድርን ምዃና ኣብረሃሎም። ኵሉ ኣብ ጀርመን ዝፈጸሙዎ ገበናት’ውን ዘርዘሮ። ኣብ ቈልዓን ሰበይትን ኣረገውትን ዘፍሰሱዎ ደም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ፈደራል ፖሊስ ጀርመን ዘውረዱዎ ዕንወት ዘርዘሮ። ኣኽባሪት ሕጊ ኸተስተንትን ተዓዘብክዋ። ብኤርትራዊ ጠበቓይ ምግራመይ’የ ወዲኤ። ከም’ዚ ኣይተጸበኹዎን። ልዕሊ ዝገመትክዎ ኾይኑ ረኺበዮ። ሕቡን ኤርትራዊ ኣብ ዝኸድካዮ ይጽናሕካ!
ክስታት ተነቢቡ። ቪድዮታተይ ብዘይ መጠን ተደጋጊሙ። ተርጓማይ’ውን ንትግርኛ ናብ ዶች (ቋንቋ ጀርመን) እናተርጐመ ተረባረብና። ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ውረድ ደይብ ፈራዳይ ደው በለ። “ሕጂ ውሳነ ዝዋሃበሉ ሰዓት እዩ” በለ። ፈራዳይ “ቅድሚ ናብ ውሳነ ምብጻሕና፡ ኣኽባሪት ሕጊ ሓሳብኪ ክትህብና” በላ። ኣኽባሪት ሕጊ ደው በለት። ንኽትዛረብ’ውን ጐረሮኣ ስሓለት። “ኣነ ነዚ ዝተዋህበኒ ኽስታት ኣምቢበዮ። እዚ ናይ’ዚ መንእሰይ ዘቕረብኩሞ ቪድዮ ድማ ሰሚዐዮ። ዋላ ሓንቲ ዘራኽብ ኣይረኸብኩሉን። ነዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓሶትን ጠቐነን ከም ዝኸሰስዎ ተረዲአ ኣለኹ። ስለ’ዚ ናተይ ውሳነ ናጻ ኽትሰዱዎ እደሊ ኣለኩ” ኢላቶም ኮፍ በለት።
ፈራዳይ ተሲኡ፡ “ጠበቓ ርእይቶኻ ሃብ” በለ። ጠበቓ ብድድ በለ። “ኣነ ዝብሎ የብለይን። ከም’ቲ ናይ’ታ ኣኽባሪት ሕጊ ንዓሚለይ ነጻ ኽትለቁዎ እምሕጸነኩም” ኢሉ ኾፍ በለ። ፈራዳይ ተሲኡ፡ ንዓይ ብምጥማት “ተዛረብ” በለኒ። ኣነ ድማ ኣብ ኮፍ መበልየይ ኮይነ፡ “ዝዛረቦ የብለይን፡ ጠበቓይ ዝተዛረቦ ንሱ ኢዩ” በልኩ።
ኵልና ሓፍ በልና። ፈራዳይ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ልዕሊ’ዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወረደ ዅሉ ኽስታት ጠቐነ እምበር ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዘይረኸብናዮ፡ ብወገና’ውን ነጻ ለቒቅናዮ ኣለና። ፋይሉ ኣብዚ ተዓጽዩ ኣሎ!” ኢሉ ኮፍ በለ።
ኣብ’ዚ ኾነ ኣብ ካልእ መድረኻት ኤርትራዊ ተሳዒሩ ኣይፈልጥን!!
ኣስታት ንኽልተ ዓመት ዝወሰደ ገልጠምጠም ኣብ’ዚ ኣብቂዑ። እቶም ጕዳየይ ጀሚሩ ኽሳብ መወዳእታ ብንዋት ይኹን ብምትብባዕ ኣብ ጐነይ ዝነበርኩም፡ ምስጢር ኤርትራውነት ኢኹም ምሂርኩምኒ እሞ፡ ኵሩዕ እየ ብኣኹም። ዘውጻእኹሞ ብኣምላኽ ተፈደዩዎ!
ርሑስ ቅንያት ፈንቅል!
ተፈጸመ
እስክንድር ውላድ ዓራርብ

Kommentar hinzufügen
Kommentare