
ምስ’ቲ ፓኪስታናዊ ኣብ ሓደ ቦታ ኢና ተራኺብና። ብዛዕባ ስደት ብዙሕ ኣውጊዕና። ካብ’ተን ዘዕለልናየን ኣብ ርእሰይ ዝተረፈት ግዳ፡ እታ ዛንታ ቘጽልን ገረብን እያ። እነሀት፥-
"ኵሉ ስደት ሓደ እዩ። ኵሉ ስደተኛ ግዳ ሓደ ኣይኮነን" ኢሉ እዩ እቲ ፓኪስታናዊ ጀሚሩ። "ንኣብነት ዘይተማህረን ዝተማህረን ስደተኛ ፍልልይ ኣሎዎም። ዘይተማህረ ስደተኛ ንሂወት ከም ዝወደቐ ቘጽሊ ኾይኑ እዩ ዘሕልፋ። ኣብ ባይታ እዩ ዝነብር። ዘርከበ እዩ ዝረግጾ። ዝነፈሰ ንፋስ እዩ ዝወስዶ። ናተይ ክነግረካ፦
ናብ ሆላንድ ክኣቱ እንከለኹ ለይለይ ዝብል ወዲ 25 ዓመት እየ ኔረ። ግና ኣይተማህርኩን። ሕጂ 64 ጌረ ኣለኹ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ንሂወት ከም ዝወደቐ ቘጽሊ እየ ኣሕሊፈያ።"
ኣብ ገጽ እቲ ፓኪስታናዊ ኸቢድ ጓሂ ተራእዩኒ። ጸኒሑ ግዳ ፍሽኽ ብምባል ዘርባኡ ቐጺሉ፦
"ናተይ ነገር ተወዲኡ እዩ። ደቀይ ዝወደቑ ኣቝጽልቲ ዘይኮነስ፡ ኣግራብ ኮይኖም ከሕልፍዎ ግዳ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣካይደ እየ። ርኢኻ ኣለኻ፡ ዝተማህረ ሰብ ከም’ዚ ገረብ እዩ። ሰብ ኣይረግጾ፣ ዝመጸ ንፋስ ኣየሽካዕልለሉ። ኣማሪጹ ድማ እዩ ዝሰርሕ። ሰለስተ ደቂ ኣለዉኒ። ደጊም ኣግራብ ኮይኖም እዮም። ቦኽሪ ወደይ ዶክተር ኮይኑለይ እዩ። ማእከለይቲ ጓለይ ፋርማሲስት እያ። እቲ ንእሽተይ ወደይ ንዓመታ ብእንጂኔሪንግ ክምረቕ እዩ።"
ሞባይሉ ኸፊቱ ስእሊ ደቁ ኣርእዩኒ። ገጹ ብሓበን ከም ፋኑስ ክውላዕ ኣስተብሂለሉ።
"ወሊድካ ዲኻ?" ሃንደበት ሓቲቱኒ።
"እወ፡ ሓንቲ ጓል ኣላትኒ።"
"ገረብ ክሳዕ ትኸውን ደግፋ። መንእሰያት ደቂ ዓድኻኸ ኣብ’ዚ ስደት ኣለዉዶ?"
"መሊኦም ኣለዉ።"
"ገርቡ በሎም!"
"ብርግጽ! እንተ ሰሚዖምንስ ክብሎም እየ።"
ሓዙ በሉ፡ ደቂ ዓደይ መዓረይ! ደመይ! ወገነይ!
ኣብ’ዛ ኸርፋሕ ስደት ከም ዝወደቐ ቘጽሊ ኸይትንከራተቱስ ተማሃሩ! ተማሃሩ! ተማሃሩ!
ሰላም መዓልቲ!
ብዓወት መንግስተኣብ
(Awet Mengsteab)
ነዛ ሓጻር ግን ገላጺት ምኽሪ ናብ መንእሰያት ብምዝርጋሕን ብምክፋልን ንተሓባብር። ክብረት ይሃበልና!
Kommentar hinzufügen
Kommentare